ቀልቢ ዓለም ሰሪቁ ዘሎ ግጭት እስራኤል ኣመሪካን ኢራንን ብሓያል ናይ ሚሳይላት መጥቃዕቲ ኣብ ዝቅጽለሉ ዘሎ ሰዓት፡ እስራኤል ኣማስዩኡ መጠነ ሰፊሕ ናይ ኣየር መጥቃዕቲ ኣብ ልዕሊ ኢራን ምፍጻማ ተገሊጹ።
በዚ ዝረአ ዘሎ ምዕባለታት፡ ውጥረት ማእከላይ ምብራቕ ናብ ሓድሽ ምዕራፍ ተሰጋጊሩ፡ ከቢድ ስጋኣት ዓለም ኮይኑ ምህላው ዝግለጽ ዘሎ ኮይኑ፡ እስራኤል፡ ንርእሰ ከተማ ቴህራን ሓዊሱ ኣብ ዝተፈላለዩ ክፍልታት እታ ሃገር መጠነ ሰፊሕ ናይ ኣየር መጥቃዕቲ ምፍጻማን፡ እቲ ኩነታት ናብ ምሉእ ኲናት ይምዕብል ምህላዉን’ዩ ዝንገር።
እስራኤል ኣብ እትፍጽሞ ዘላ መጠነ ሰፊሕ ናይ ነፈርቲ መጥቃዕቲ፡ ኣስታት 200 ዝኾና ናይ ውግእ ነፈርቲ ይሳተፋ ምህላወን ዝተገልጸ ኮይኑ፡ ዛጊት ክሳብ እዚ ሕጂ ሰዓት ጥራሕ ልዕሊ 500 ዕላማታት ሃሪማ ምህላዋን፡ ማእከል መወንጨፊ ሚሳይል ኢራን፡ ስርዓተ ምክልኻል ኣየርን ትካላት ኑክሌርን ኢራን፡ በቲ ናይ እስራኤል ዕላማ ናይ’ቲ መጥቃዕቲ ምንባሩ’ዩ ተገሊጹ ዝርከብ።
ኣብ ከተማታት ጋርምዳሬህ፡ ኡርሚያ፡ ቡሼርን ኮምን፡ ሓያል ነትጉ ይስማዕ ምህላው ወሲኩ ዝገልጽ እቲ ሓበሬታ፡ ኣብ ምዕራብ ኢራን ዝርከብን ሚሳይል ንምውንጫፍ ከገልግል ዝጸንሐን ታብሪዝ ዝተሰምየ ቦታ፡ ምሉእ ብምሉእ ከም ዝተሃርመን ዕንወት ከምዝወረዶን’ዩ ወሲኹ ዘረድእ።
እስራኤልን ኣመሪካን ዝፍጽሞኦ ዘለዋ ሓባራዊ መጥቃዕቲ፡ ገና ናብ ምሉእ ኲናት ከይተኣትወ፡ ዓቕሚ ሚሳይል ኢራን ንምድኻምን፡ ድሕንነት እስራኤል ንምሕላውን ዝዓለመ ኮይኑ፡ ሰራዊት ኢራን ብወገኑ ንዝሰፍሐ መጥቃዕቲ ይዳሎ ምህላዉ ብምጥቃስ፡ ናብ እስራኤልን መዓስከራት ኣመሪካን ዝቀንዐ ዓጸፋዊ ግብረመልሲ ክህብ ምኳኑ’ዩ ኣጠንቂቁ ዝርከብ።
በቲ ኣብ ኢራን ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ፡ ኣስታት 50 ዜጋታትን መራሕትን ተቐቲሎም ምህላዎም ውን ዝተገልጸ ኮይኑ፡ ይኩን እምበር ሞት ናይቶም ተቀቲሎም ዝተባህሉ ሓለፍቲ ወግዓዊ ከምዘይኮነን፡ ንምርግጋጽ ውን ከምዘይተካእለን’ዩ ዝንገር።
ኣብ ደቡባዊ ግዝኣት ኢራን ሆርሞዝጋን ኣብ እትርከብ ቤት ትምህርቲ ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲ፡ ኣመሪካን እስራኤልን ኣብ ልዕሊ ኢራን ዘካየዳ መጥቃዕቲ ሓያሎ ተማሃሮ ተቐቲሎም።
ኣብ መባእታ ቤት ትምህርቲ ደቂ ኣንስትዮ ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ቁጽሪ ዝሞቱ ናብ 50 ከምዝዓበየ መንግስታዊ ማዕከን ዜና ኢራን ኢርና ሓቢሩ።
ኣመሓዳሪ እታ ግዝኣት መሓመድ ራድመህር፡ ካልኦት 48 ሰባት ከምዝቆሰሉን ቁጽሪ ዝሞቱ ክውስኽ ከምዝኽእልን ገሊጹ።
ማዕከን ዜና መህር ኢራን’ውን ኣብ ምብራቓዊ ክፋል እታ ርእሰ ከተማ ኣብ ዝርከብ ቤት ትምህርቲ ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ክልተ ተማሃሮ ከምዝተቐትሉ ሓቢሩ።
ኢራን ንናይ ወጻኢ ማዕከናት ዜና ፍቓድ ብምኽልካል፡ ስፍሓት እቲ ጉድኣት ብናጽነት ንምርግጋጽ ኣጸጋሚ ጌርዎ ኣሎ።
እዚ ከም’ዚ ኢሉ ከሎ ኢራን ውን ሕነ ኣብ ምፍዳይ ኢያ ትርከብ ዘላ።
ኣብ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ዝርከባ ዱባይን ኣቡዳብን ብተደጋጋሚ ፍንጀራታት ከምዝተሃስያ ይፍለጥ።
ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ብስግኣት ሕነ ምፍዳይ ኢራን ብዝነበሮ ስግኣት ክሊ ኣየር ዓጽያ እኳ እንተነበረት፡ እቲ ፍንጀራ ግን ቀጺሉ ኣሎ።
ኣብ ኢማራት ኣብ ዝርከብ ኣልዳፍራ ዝርከብ ወተሃደራዊ መዓስከር ኣመሪካ፡ ሓደ ካብቶም ዕላማ ሕነ ምፍዳይ ኢራን ኮይኑ ኣሎ።
ሰራዊት እስራኤል ድሕሪ’ቲ እስራኤል ኣብ ልዕሊ ኢራን ዘካየደቶ መጥቃዕቲ፡ ካብ ኢራን ሚሳይላት ከምዝተተኮሰ ተገሊጹ። ሰራዊት እስራኤል ነቶም ሚሳይላት ከም ዝዓገተ ኣብ ዝገለጸሉ እዋን ኣብ’ቲ ከባቢ ፍንጀራ ከም ተሰሚዑ’ዩ ዝወጽእ ዘሎ ሓበሬታ ።
እቲ ሕነ ምፍዳይ መጥቃዕቲ ኢራን ኣብ እስራኤል ጥራይ ዘይኮነስ ኣብ ልዕሊ መሻርኽቲ ኣመሪካ’ውን’ዩ ነይሩ።
ማዕከን ዜና ፋርስ ኢራን ኣብተን ሃገራት ንዝርከቡ ወተሃደራዊ ትካላት ዒላማ ከምዝገበረ ሓቢሩ ኣሎ። እቲ መጥቃዕቲ ኣብ ቀጠር ንዝርከብ መዓስከር ኣየር ኣመሪካን ኣብ ባሕሬን ንዝርከብ መደበር ሓይሊ ባሕርን ዒላማ ዝገበረ እዩ።
ኣብ ካልኦት ሓይልታት ኣመሪካ ዝዓረደለን ሃገራት ወሽመጥ ዓረብ፡ ቀጠር፡ ኩዌት፡ ሕቡራት ኢማራት ዓረብን ባሕሬንን እውን ፍንጀራ ከምዘጋጠመ ተገሊጹ።
ስዑዲ ዓረብ ንሕነ ምፍዳይ ኢራን ውን ኮኒናቶ ኣላ ።
ፕረዚደንት ቱርኪ ሬሲፕ ጣይብ ኤርዶጋን ብወገኑ፡ ሃገሩ ነቲ ኣብ ልዕሊ ኢራንን ሉኡላዊ ህዝባን ዝፍጸም መጥቃዕቲ፡ ብትሪ ከም እትኩንኖ ዝገለጸ ኮይኑ፡ ሰለማዊ ኩነታት ዞባ ማእከላይ ምብራቅ ዝዘርግ ዝኮነ ይኩን መጥቃዕቲ ተቀባልነት ከምዘይብሉ ንምጥቃስ፡ ሃገሩ ኣብ ጎኒ ህዝቢ ኢራን ምህላዋ ገሊጹ።
ኢራን ብወገና ገና ናብ ምሉእ ኲናት ከምዘያኣተወትን፡ ግብረመልሲ ንምሃብ ኣብ ሓያል ምድላው ምህላዋን ዝገለጸት ኮይና፡ መስኮት መትረብ ሕርሙዝ strait of hormuz ንግዚኡ ካብ ምንቅስቃስ መራክብ ዕጹው ጌራቶ ምህላዋ ውን”ዩ ዝንገር።
ኢራን ዝወሰደቶ መትረብ ሕርሙዝ ናይ ምዕጻው ስጉምቲ፡ ኣብ ቁጠባ ዓለም ቀሊል ዘይበሃል ዕንወት ከውርድ ምኳኑ ዝግለጽ ኮይኑ፡ ቤትጽሕፈት ሓይሊ ባሕሪ ኤውሮጳ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ናይ ንግዲ መራክብ እቲ ሕብረት በቲ መስኮት ባሕሪ ንምሕላፍ ዘቅረብዎ ሕቶ ከምዝተነጽገን ፍቃድ ከምዘይረከቡን’ዩ ገሊጹ ዝርከብ።
ኣብ’ዚ ሕጂ ሰዓት ኣብ’ቲ ከባቢ ዝርከባ ዓበይቲ ናይ ነዳዲ መራኽብ፡ ካብ ዝኮነ ይኩን ምንቅስቃስ ደው ኢለን ምህላወን ውን ዝተገልጸ ኮይኑ፡ 20% ዓለማዊ ጠለብ ነዳዲ በዚ መስመር እዚ ዝመሓላለፍ ብምኳኑ፡ እቲ ተወሊዑ ዘሎ ግጭት ግዜ ዝወስድ እንተመሲሉ፡ ኣብ ዕዳጋ ነዳዲ ከቢድ ቀውሲ ክረአ ከምዝኮነ’ዩ ዝግመት።
ኢራን እቲ ኩነታት ናብ ምሉእ ግጭት እንተዓሪጉ፡ መዝመር ሕርሙዝ ብምዕጻውን፡ ቀይሕ ባሕሪ ውን ኣብ ትሕቲ ስጋኣት ሑቲ ከምዝወድቅ ብምግባርን፡ ነቲ ኲናት ናብ ረብሓኣ ክትቅይሮ ከምእትኽእል ኣቀዲሙ ዝተገመተ ኮይኑ፡ ኣመሪካ ነዚ ኲናት ብእዋኑ ክትዕወተሉ እንተዘይኪኢላ ቁጠባ ዓለም ከገድዳ ስለዝኮነ ኣብ ታሪኻ ከቢድ ስዕረት ክገጥማ ምኳኑ’ዮም ብዙሓት ተንተምቲ ፖለቲካ ዝሰማምዑ።
ኣብ ማናማ ርእሰ ከተማ ባሕሬን ውን ብተመሳሳሊ፡ ኣብ ልዕሊ ሓደ መንበሪ ህንጻ ከቢድ ናይ ድሮን መጥቃዕቲ ከምዝተካየደ ውን ዝተገልጸ ኮይኑ፡ በቲ መጥቃዕቲ ዝወረደ ሰባኣዊ ሓደጋ እኳ እንተዘይተገልጸ፡ መጥቃዕቲ ኢራን ቀሊል ዘይበሃል ዕንወት የውርድ ምህላዉ’ዩ ዝንገር።
ፕረዚደንት ግብጺ ኣብደልፈታሕ ኣል ሲሲ ብወገኑ፡ ድሕሪ’ቲ ኢራን ዝፈጸመቶ ናይ ግብረመልሲ መጥቃዕቲ ምስ ፕረዚደንት ኢራማት ዓረብ ሸኽ መሓመድ ቢን ዛይድ ብቴለፎን ከምዝተራኸበን፡ ነቲ መጥቃዕቲ ብምኳናን፡ ግብጺ ኣብ ጎኒ ኤመሬት ምህላዋ ውን ከምዝገለጸን ማዕከናት ዜና እታ ሃገር ዝገለጻ ኮይነን፡ እቲ ዝካየድ ዘሎ ወተሃደራዊ ስጉምቲ ንዞባ ማዕከላይ ምብራቅ ዝኸፈአ ናይ ደም ምፍሳስ ዞባ ከይገብሮ ዘለዎ ስጋኣት ዝገለጸ ኣስሲሲ፡ ዲፕሎማሲያዊ መፍትሒ ከም እንኮ ኣማራጺ ጥራሕ ክጥመት ከምዘለዎ ምግላጹ’ዩ ዝንገር።
ፕረዚደንት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕ ብወገኑ፡ ኣብ ኢራን ተወሊዑ ዘሎ ኩነታት ሃገሩ ምስ እስራኤል ብሓባር ብምኳን ከምዘበገሰቶ ድሕሪ ምግላጹ፡ ህዝቢ ኢራን ካብ ናይ ኣያቱላህ ኣሌካሚኒ ግዛኣት ሓራ ዝኮነሉ ግዜ ምእካሉ ብምጥቃስ፡ ኣመሪካ ስርሒታ ክሳብ እትውድእ፡ ህዝቢ ኢራን ኣብ ገዛ ክጸንሕ’ዩ ጻውዒት ኣቅሪቡ ዝርከብ።
ዝኸበርኩም ተከታተልትና፡ ምዕባለታቱ ሒዝና ክንምለስ ኢና፡ ስለምክትታልኩም ኣዚና ነመስግን ሰላም፡