ኣመሪካ ብመንገዲ’ቲ ኣብ ጅቡቲ ዝርከብ ኤምባሲኣ ኣቢላ፡ ኣብ ጅቡቲ ንዝርከቡ ሰራዊትን ዲፕሎማትን ናይ ጸጥታ መጠንቀቕታ ከምዝለኣኸት ተገሊጹ።
እቲ ብመንገዲ ኣብ ጅቡቲ ዝርከብ ኤምባሲ ዝወጸ መጠንቀቅታ፡ ኣብ’ቲ ዞባ ተኸሲቱ ዘሎ ወጥሪ ኣብ ዝለዓለ ደረጃ በጺሑ ምህላዉ ብምጥቃስ፡ ዲፕሎማሰኛታት ሰራሕተኛታቱ ካብ ቀጽሪ ኤምባሲ ኣመሪካን፡ ግዙፍ ወተሃደራዊ መዓስከር ሌሞኒየርን ከርሕቁ ዘተሓሳሰበ ኮይኑ፡ ኣብ’ታ ሃገር ዝርከብ ሰራዊት ኣመሪካ ብተመሳሳሊ፡ ካብ ኢራን መጥቃዕቲ ክበጽሖ ስለዝኽእል ኣብ ተጠንቀቕ ክጸንሕ መጠንቀቅታ ከምዝተዋህቦ’ዩ ዝንገር።
ሊሞንየር ካምፕ፡ ኣብ ጅቡቲ ዝመደበሩ ዝዓበየ ቀዋሚ ወታደራዊ መዓስከር ኣመሪካ ኮይኑ፡ እቲ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ንዝካየዱ ናይ ግብረ ሽበራ ምንቅስቃሳት ንምክልኻልን፡ ሎጂስቲክ ንምቅባልን ዝቆመ መዓስከር፡ ሚሳይላት ኢራን ክበጽሖ ኣብ ዝኽእል ከባቢ ዝርከብ ብምኳኑ፡ ኣብ ዝለዓለ ተጠንቀቕ ምህላዉ’ዩ ዝንገር።
ጅቡቲ ኣብ ኣፍደገ ቀይሕ ባሕሪ እትርከብ፡ ፖለቲካዊ ስትራቴጂካዊ ረብሓታት ዘለዋ ሃገር ብምኳና፡ ኣብ’ታ ሃገር ብዘይካ ኣመሪካ፡ ከም ፈረንሳ፡ ቻይናን ጃፓንን ዛኣመሰላ ሃገራት ውን ወታደራዊ መዓስከራት ሃኒጸን ምህላወን ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ኢራን ንኩሉ መዓስከራት ኣመሪካ ኣብ ምጥቃዕ ብምህላዋ ግን፡ ጅቡቲ ውን ኣብ ከቢድ ተጠንቀቅ ኣትያ ምህላዋ’ዩ ዝንገር።