ምስ እስራኤልን ኣመሪካን ናብ ምሉእ ኲናት እንተኣትያ፡ ኣብ ዞባ ማእከላይ ምብራቅ ንዝርከብ መዓስከራት ኣመሪካ ብቀጥታ ከተጥቅዕ ምኳና ክትገልጽ ዝጸንሐት ኢራን፡ ኣብ ወተሃደራዊ መዓስከራት ኣመሪካ ድሕሪ ዘካየደቶ መጥቃዕቲ፡ ትማሊ ውን ነብሰቅትለታውያን ድሮናት ተጠቂማ ንመጻረዪ ነዳዲ ሕቡራት ዓረብ ኤምሬትስ ከምዘዕነወቶ ተገሊጹ።
ኢራን ዝፈጸመቶ መጥቃዕቲ፡ ካሚካዝ ተባሂለን ብዝፍለጣ ነብሰቅትለታውያን ድሮናት ዝተፈጸመ ምኳኑ ዝገለጸ እቲ ሓበሬታ፡ ኢራን ኮንዮ ወተሃደራዊ መዓስከር ኣመሪካ ኣብ ልዕሊ መጻረዪ ነዳዲ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ መጥቃዕቲ ምፍጻማ ዘቆጥዓ ኢማራት፡ ነቲ ኩነታት ብትዕግስቲ ክትሪኦ ከምዘይኮነትን ግብረመልሲ ክትህበሉ ትድፋእ ምህላዋን’ያ ገሊጻ ትረክብ።
መንግስቲ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ፡ ድሕሪ’ቲ ኢራን ዝፈጸመቶ መጥቃዕቲ ድሮናት ንኢራን ዘጠንቅቅ ተሪር ቃላት ዝሓዘለ መግለጺ ዘውጸአ ኮይኑ፡ ኢራን ኣብ ልዕሊ ትካላት ኢማራት ዓረብ ኣነጻጺራ እትፍጽሞ ዘላ መጥቃዕቲ ደው እንተዘይኣቢላቶ፡ ኢማራት ስቅ ኢላ ክትዕዘብ ከምዘይኮነትን፡ ኣብ ልዕሊ ኢራን ውን ሓያል ግብረመልሲ ክትወስድ ምኳናን’ዩ ኣጠንቒቁ ዝርከብ።