ሓይሊ ጸጥታን ሃገራዊ ድሕነትን እስራኤል ዝኮነ ሞሳድ፡ ኢራን ሞት ዓሊ ኻሜኒ ቅድሚ ምርጋገጻን ብወግዒ ቅድሚ ምግላጻን፡ ንሞት እቲ ሰውራዊ መራሒ ዘረጋግጽ ናይ ሬሳ ኣሳእል ከምዝነበሮ ብወግዒ ገሊጹ።
እዚ ፎቶግራፍ እዚ፡ መራሒ ሰውራ ኢራን ኣያቱላህ ዓሌ ኻሜኒ፡ ኣብ ቤት ጽሕፈቱ እንዳሃለወ ብመጥቃዕቲ ነፈርቲ ምቅንጻሉ ዘረጋግጽ ምኳኑ ዝገለጸ ሞሳድ፡ ኢራን ሞት እቲ መራሒ ቅድሚ ምርግጋጻ፡ ሞሳድ ርግጸኛ ምንባሩን፡ ብመንገዲ ንታንያሁ ኣቢሉ ውን ንሞት እቲ መራሒ ከምዛኣወጀን’ዩ ዝግለጽ።
ሞሳድ ኣብ መግለጺኡ፡ ሓይሊ ጸጥታን ሃገራዊ ድሕነትን እስራኤል፡ ናብ ውሽጢ ኢራን ኣትዩ ኣዝዩ ረቂቅ ስርሒት ኣብ ምፍጻም ምህላዉ፡ ካብ’ዚ ንላዕሊ መርትዖ የለን ክብል ዝገለጸ ኮይኑ፡ ሞት እቲ መራሒ ዘረጋግጽ ናይ ሬሳ ኣሳእል ድሕሪ ምልጣፉ፡ ኣብ ህዝቢ ኢራን ከቢድ ቁጠዐ ፈጢሩ ምህላዉ ውን’ዩ ዝንገር።፡
ምስ’ዚ ኣብ ዝተሓሓዝ ዜና፡ ወዲ 69 ዓመት ፕረዚደንት ኢራን ነበር ማሕሙድ ኣሕማዲነጃድ፡ ኣብ እዋን ወተሃደራዊ መጥቃዕቲ ኣመሪካን እስራኤልን፡ ኣብ ልዕሊ መንበሪ ቤቱ ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ነፈርቲ ምስ ሓለዉቱ ከምዝተቐትለ፡ ምስ መንግስቲ ኢራን ምትእስሳር ዘለዋ ማዕከን ዜና ILNA (ኣይኤልና) ሓቢራ።
ፕረዚደንት ኢራን ነበረ መሓመድ ኣሕማዲነጃድ፡ ካብ 2005 ክሳብ 2013 ንኣስታት 8 ዓመት ኣብ ስልጣን ኣብ ዝነበረሉ እዋን፡ ተሪር መርገጺ ብዘለዎም ዓቃባውያን ሰልፍታትን ሰበስልጣን ሃገሩን፡ ኣዝዩ ዝፍቶ ሰብ ምንባሩ ዝንገረሉ ኮይኑ፡ ኣብ’ቲ ብልዕሊ 200 ነፈርቲ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ግዳይ ኮይኑ ምህላዉ’ዩ እቲ ሓበሬታ ወሲኹ ዝገልጽ።
መሓሙድ ኣሕመዲነጃድ፡ በቲ ኣንጻር እስራኤልን ምዕራባውያን ሃገራትን ዝወስዶ ዝነበረ ተሪር መርገጺ፡ ኢራን ኣብ ዘመነ ስልጣኑ ብርክት ዝበለ እገዳታት ይበጽሓ ምንባሩ ዝዝከር ኮይኑ፡
ኣብ’ቲ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሰነ ናይ 2025 ዝተወለዐ ውግእ እስራኤልን ኢራንን እውን፡ ካብ ሞት ንስክላ ተሳሒቱ ምንባሩ’ዩ ዝንገር።
ኣሕማዲነጃድ፡ እስራኤል ካብ ካርታ ዓለም ክትሕከኽ ኣለዋ ክብል ብዝደጋግማ ቃሉ ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ኢራን ሞሳድ ንምክልኻል ኢላ ዘቆመቶ ሓይሊ ጸጥታ፡ ኣባላት ሞሳድ ተሓቢኦሙሉ ዘለዉ ትካል ምኳኑ ክገልጽ ድሕሪ ምጽንሑ፡ ብመጥቃዕቲ ነፈርቲ ምማቱ’ዩ ተገሊጹ ዝርከብ።