ፕረዚደንት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕ፡ ሃገሩ ምስ እስራኤል ብምኳን ኣብ ልዕሊ ኢራን ብዝወሰደቶ ፈላሚ ወተሃደራዊ ስጉምቲ፡ 48 ወተሃደራውያን መራሕቲ ኢራን ከምዝተቀንጸሉ ገሊጹ።
ማንም ክኣምን ኣይክእልን’ዩ ግን ከኣ 48 መራሕቲ ኢራን ኣብ ቀዳማይ እብረ መጥቃዕቲ ተቀንጺሎም ኣለዉ ዝበለ ዶናልድ ትራምፕ፡ ኣብ ታሪክ ዓለም ዝሰይጠነ ሰብ ክብል ዝገለጾ መራሒ ሰውራ ኢራን ኣያቱላህ ኣሌ”ካሚኒ ውን፡ ኣካል ናይ’ዚ በርቃዊ ስርሒት ብምኳን ከምዝተቀንጸለ’ዩ ገሊጹ ዝርከብ።
ሞሳድ፡ CIA ከምኡ’ውን FBI ብሓባር ብምዃን፡ መራሒ ሰውራ ኢራን ኣያቱላህ ኣሌ ካሜኒ ኣበይ ከም ዝውዕል፡ ኣበይ ከም ዝሓድር፡ እንታይ ከምዝገብርን ምስ መን ከም ዝዘራረብን ንኣዋርሕ ክከታተልዎ ከም ዝጸንሑ ዝገልጽ ጸብጻባት ውን ክወጽእ ዝወዓለ ኮይኑ፡ ኣመሪካን እስራኤልን ልዕሊ 200 ነፈርቲ ኣብ ዘሳተፈ ስርሒት ምጥቃዕ ኢራን ናይ AI ቴክኖሎጂ ከምዝተጠቅማን፡ እቲ ምስ መንግስቲ ኢራን ክግበር ዝጸንሐ ናይ ዘተ መደባት ውን፡ ኢራን ንምጽናዕን ንምስላልን ዕላማ ዝገበረ ምንባሩ’ዩ ዝንገር።
ምስ’ዚ ብዝተኣሳሰር ዜና፡ ሚኒስትሪ ምክልኻል ኣመሪካ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ “B-2 Spiritን B-21 Raiderን ዝተባህላ ዘመናውያን ደርበይቲ ቦምብ ነፈርቲ ተጠቂሙ፡ ኣብ ልዕሊ ኢራን መጠነ ሰፊሕ መጥቃዕቲ ክፍጽም ምኳኑ ኣፍሊጡ።
በዚ መሰረት B-2 ዝዓይነታ ቦምብ እትድርቢ ነፋሪት ናብ ማእከላይ ምብራቕ ገጻ ትጓዓዝ ምህላዋን፡ ንነፈርቲ ኲናት ነዳዲ እተቀብል ዓባይ ነፈሪት ውን፡ ኣብ ባሕሬን ከም ዝተራእየትን ዝተገልጸ ኮይኑ፡ ኢራን ብወገና ድሕሪ ሞት ኣያቱላህ ኣሌ ካሜኒ ምሉእ ኲናት ብምእዋጅ፡ ኣብ ልዕሊ ኣመሪካ ተራእዩ ዘይፈልጥ ዘሰንብድ ግብረ-መልሲ ክትህብ ምኳና’ያ ትገልጽ።