ኣብ ህንዳዊ ውቅያኖስ ዝጠሓለት መርከብ ሓይሊ ባሕሪ ኢራን፡ ካብ ሳብማሪን ኣመሪካ ብዝተተኮሰላ ‘ቶርፔዶ’ ከምዝተሃረመት ጸሓፊ ምክልኻል ኣመሪካ ኣፍሊጡ።
ነዚ ኣመልኪቱ ኣብ ፐንታጐን ጋዜጣዊ መብርሂ ዝሃበ ፒት ሄግሰት ኣብ ቃላቱ፡ መርከብ ኲናት ኢራን ኣብ ህንዳዊ ውቅያኖስ ኣብ ዝርከብ ዓለምለኻዊ ማያት ውሕስነት ትረክብ መሲሉዋ ኔሩ ዝበለ ኮይኑ፡ ይኩን እምበር ብቶርፔዶ ተሃሪማ ምጥሓላን፡ ግዳይ መጥቃዕቲ ሓይሊ ባሕሪ ኣመሪካ ከምዝኾነትን’ዩ ገሊጹ ዝርከብ።
ኣመሪካ ድሕሪ’ቲ ናይ 1945 ካልኣይ ኲናት ዓለም፡ ሎሚ ንፈለማ እዋን ቶርፔዶ ተጠቂማ መርከብ ጸላኢ ተዕኑ ምህላዋ ዝተገልጸ ኮይኑ፡ እቲ ካብ ናይ ትሕቲ ባሕሪ መርከብ ሳብማሪን ዝውንጨፍ ሮኬት፡ ብውሽጢ ባሕሪ እንዳተጓዕዘ መጥቃዕቲ ዘብጽሕ ምኳኑን፡ እታ ዝጠሓለት መርከብ ውን፡ በቲ ናይ ትሕቲ ባሕሪ ሮኬት ከምዝተሃርመት ዝጠቀሰ እቲ ወተሃደራዊ በዓል ስልጣን፡
መራክብ ኢራን ካብ ዓይኒ ሰራዊት ኣመሪካ ክስወራ ከምዘይኮና”ል’ዩ ወሲኹ ዝገልጽ።
ኣብ’ታ ዋንነት ኢራን ዝኮነት ዝጠሓለት መርከብ፡ ብውሕዱ 80 ዝቁጽሮም ኣባላታ ተቐቲሎም ከምዘለዉ፡ ምክትል ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ስሪላንካ ምግላጹ ዝጠቀሰ ሮይተርስ፡ ኣብ’ታ መርከብ 140 ኣባላት ከምዝነበሩን፡ ብዘይካ 32 ኣባላት ናይታ መርከብ ዝተረፉ ኩሎም ሃለዋቶም ከምዘይተፈልጠ፡ ሰብመዚ ሓይሊ ባሕሪ ስሪላንካ ገሊጾም ።