ኤርትራዊት ጓለንስተይቲ ኣብ ታሪክ ሪኣቶ ዘይትፈልጥ ሕሰምን መከረና ክወርዳ ዝደረኸ ጉጅለ ህግደፍ: 8 መጋቢት መዓልቲ ደቂ ኣንስትዮ፡ ንቃንዛን ስቃይን ኤርትራውያን ደቂ ኣንስትዮ ብዘይፈትሕ ባዶ መብጽዓን፡ ናይ ኣሽካዕላል ጭርሖን ክበዓል ምእዛዙ ምንጭታት ውሽጢ ዓዲ ገሊጾም ።
ጉጅለ ህግደፍ ኣብ ምምጻእ ናጽነትን ምሕብሓብ ሰውራ ኤርትራን፡ ርሃጸንን ገንዘበንን ኣብ ልዕሊ ዝገበራ ኤርትራውያን ደቂ ኣንስትዮ፡ ዓቢ ንዕቀትን ኣሽካዕላልን ዘለዎ ጉጅለ ምኳኑ ኣብ መልእክቶም ዝሓበሩ ምንጭታትና፡ ነቲ ኣብ 8 መጋቢት ዝበዓል መዓልቲ ደቂ ኣንስትዮ፡ ክብርታትና ዋልታና ኣብ ትሕቲ ዝብል ጭርሖ ክበዓል፡ ናብ ኩሉ ዞባታት ማሕበረ ኮማትን ኤምባሲታትን መልእኽቲ ምስዳዱ፡ እቲ ጉጅለ ኣብ ልዕሊ ህዝብና ንዘለዎ ፍጹም ኣረሜንነት ዘጉልሕ ምኳኑ’ዮም ዝጠቅሱ።
እቲ ኣብ ነፍስ ወከፍ በዓላትን ጽምብላትን፡ ግብራውነት ዘይብሉ ማይ ዘይጠዓመን ሓረጋት ብምጽሓፍ፡ ክውስልትን ክሽሕጥን ዘይሓፍር ጉጅለ ህግደፍ: ኣብ’ዚ ዓመት’ዚ ብኣጋጣሚ 8 መጋቢት ኣህጉራዊ መዓልቲ ደቂ ኣንስትዮ: “ክብርታትና ዋልታና” ኣብ ትሕቲ ዝብል ቴማ ክበዓል ብዘዋሪ መልእኽቲ ኣዚዙ ምህላዉ ዝጠቀሱ ምንጭታትና፡ ነታ ካብ ገዛ ኣውጺኡ ክብራ ዝገሃሳ ኤርትራዊት ጓለንስተይቲ ክብርታታ ዋልታኣ ምኳኑ ክነግራ ምፍታኑ፡ ሕጫጨ ምኳኑ’ዮም ዝገልጹ።
እቲ ዘዋሪ መልእኽቲ: ብዘይካ ናይ ውሽጢ ዓዲ መሓውራት፡ ናብ ኩለን ገንዘብ ንምእካብን ናይ ጽልኢ ጎስጓስ ንምዝራእን ዘገልግላ ኤምባሲታት፡ ከምኡውን ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ህሉው ጸገማቱን ቀዳምነታቱን ከየድህብ ከም መሳርሒ ዝጥቀመሉ ሃገራውያን ማሕበራትን ማሕበረ ኮማትን ከም ዝተላእከ ወሲኾም ዝጠቀሱ ምንጭታትና፡ እቲ ህዝቢ ኤርትራ ብደሓን ንነዊሕ ዓመታት ዝተሰከሞ ጉጅለ፡ ካብ ግዜ ናብ ግዜ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ዘለዎ ንዕቀትን ድፍረትን የረጋግጽ ምህላዉ’ዮም ዝገልጹ።
ኣብ ዝሓለፈ ኣስታት 35 ዓመታት መዋእል ጉጅለ ህግደፍ ብሓፈሻ: ኣብዚ እዋንዚ ድማ ብፍላይ: ኤርትራውያን ደቂ ኣንስትዮ: ኣብ ኩናት ትግራይ ዝጠፍኡ: ብዘይ ፍርዲ ንዓመታት ዝተሓየሩ: ኣብ ገደብ ዘይብሉ ግዱድ ሃገራዊ ኣገልግሎት ዝበልዩ ዘለዉን ዝተሰዱን ደቐንን ሰብኡተንን: ኣሕዋተንን ቤተሰበንን: መስተርሆትን ፍትሕን ክረኽባየን ዝጽበያ ዘለዋ።
ካብ ብሕጋዊ ቅዋማዊ መንግስቲ ብዘዋሪ መልእኽቲ ንህዝቢ ኤርትራ ዝረግጽ ዘሎ ጉጅለ ህግደፍ: ከም ኣመሉ ብኣጋጣሚ 8 መጋቢት ኣህጉራዊ መዓልቲ ደቂ ኣንስትዮ: ዘብለጭልጭ መደረ ከስምዕ: መግለጺ ከውጽእ ጭርሖታት ከጋውሕ: ጓይላን ዳንኬራን ከዘውትር ይዳሎ ኣሎ።
ይኹን እምበር እቲ ኣብ ማዕከናት ዜናን ማሕበራዊ መራኸቢታትን ጉጅለ ህግደፍ ዝቃላሕ ናይ ምትላል መደባት: ንህሉዉ ቁጠባውን ማሕበራውን ክብሪታትን ስነኣእምሮኣውን ግድላትን ኩነታትን ኤርትራውያን ደቂ ኣንስትዮ ዝፈትሕ ኣይኮነን።
ሕብረተሰብ ኤርትራ ብሓፈሻ ደቂ ኣንስትዮ ድማ ብፍላይ: ቁጠባዊ ሓርነት ክረኽባ: ተበታቲነን ዘለዋ ስድራቤታት ክጥርነፋን ካብ ዝኽትምናን ጽምዋን ክናገፋ: ብፍትሒ ክማሓደራን ሕጉስ ህይወት ከሕልፋን ባህገንን ሕልመንን’ዩ።