ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ዶክተር ኣብይ ኣሕመድ ዓሊ፡ ትማሊ ብቋንቋ ትግርኛ ኣብ ዝተፈነወ ቃለመሕተቱ፡ ህግደፍ ንኤርትራን ህዝባን ዘዕነወ ጉጅለ ምኳኑን፡ ን ኢትዮጵያ ውን ዋጋ ከምዘኽፈለና ምግላጹ ዝዝከር ኮይኑ፡ ነዚ ስዒቡ ዘይቀጥታዊ ግብረ መልሲ ዝሃበ ጉጅለ ህግደፍ፡ ፖለቲካዊ ትያትር ሰልፊ ብልጽግና ትርጉም ኣልቦ ጽላለ’ዩ ክብል ብመንገዲ የማነ ቻርሊ ኣቢሉ ኣብ ዝተቀመጠ ናይ X ጽሑፉ ገሊጹ።
እቲ ንቃላት ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድን ከንቲባ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ወይዘሮ ኣዳነች ኣበበን ስዒቡ ዝወጸ ጽሑፍ፡ ሰልፊ ብልጽግና ካብ ታሕተዎት መራሕቱ ጀሚሩ ክሳብ እቲ ዝለዓለ መራሒ ሃገር፡ ባሕሪ ዝብል ኣጀንዳ ኣብ ዝረከብዎ ክደጋግሙ ትእዛዝ ተዋሂቦም ይሰርሕሉ ምህላዎም ዝጠቅስ እኳ እንተኮነ ነቲ ብኣፍ ኣብይ ኣሕመድ ዝተጠቅሰን ህግደፍ ኣብ ኤርትራ ዝፈጸሞ ዕንወትን ግን ሸፈፍ ኢሉ ክሓልፎ ምምራጹ’ዩ ጽሑፍ እቲ ኣፈኛ ህግደፍ ዘረድእ።
ብጥቅልሉ ጉዳይ ዋንነት ኣፍደገ ባሕሪ ኢትዮጵያ፡ ከም ናይ ልምዓትን ዕብየትን መንገዲ ጥርሕ ኮይኑ ይረአ ብምህላዉ፡ ክፈጥሮ ንዝኽእል ሓደጋታትን ዕንወትን ባብ ግምት ከምዘየእተወ ኣብ ጽሑፉ ዝገለጸ ጉጅለ ህግደፍ፡ ነቲ ምስ ኑኡሳን ሓይልታት ጸረ መንግስቲ ኢትዮጵያ ብምኳን መንግስቲ ኢትዮጵያ ንምውዳቅ ዝገብሮ ተግባራት ግን፡ ከም ኣመሉ ክሰግሮ ምፍታኑ’ዩ ጽሑፍ እቲ ወሃቢ ቃል ህግደፍ ዘረድእ።
ኲናትን ዕግርግርን ንቀርኒ ኣፍሪቃ ኣድላዪ ከምዘይኮነ፡ ኣወንታዊ ረብሓታት ውን ክርከቦ ከምዘይኮነን ኣብ ቃላቱ ዝጠቀሰ ህግደፍ፡ ኣብይ ኣሕመድ ናይ ኢማራት ጠለባት ከኽብር ንዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ይሕምሶ ምህላዉ ከረድእ ዝፍትን እኳ እንተኮነ፡ ነቲ ንሉኡላዊ ግዛኣት ኢትዮጵያ ብምጥሓስ ምስ ኩሎም ጸረ መንግስቲ ሓይልታት ኢትዮጵያ ዝገብሮ ርክባት ግን፡ ከም ውሽጣዊ ጉዳዩ ጌሩ ዝጥምቶ ምኳኑ፡ ኣብይ ኣሕመድ ኣብ ባይቶ ተወከልቲ ህዝብታት ኢትዮጵያ ኣብ ዘስምዖ ቃል ገሊጽዎ ምንባሩ ውን ዝዝከር’ዩ።
ትማሊ ኣማስዩኡ ንህሉው ኩነታት ኢትዮጵያ ኣመልኪ
ብቋንቋ ትግርኛ ቃለመሕተት ዝገበረ ቀድማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ፡ ጉጅለ ህግደፍ ኣብ ልዕሊ ህዝብን ሃገርን ኤርትራን ዝፈጸሞ ገበናት ምግላጹ ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ኣብይ ኣሕመድ ንዝጠቀሶ ሓቅታት ከደቃቅስ፡ ንናይ ፕሮፖጋንዳ ሓይልታቱ ዘዋፈረ ህግደፍ ብወገኑ፡ ኢትዮጵያ ፍርስቲ ሃገር ምኳናን መራሒ ውን ከምዘይብላን ክጠቅስ እኳ እንተምሰየ፡ ህዝቢ ኤርትራ ግን ንቃላት ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ሓቂ ምኳኑ ካኣምንን ክምስክርን ምምሳዩ”ዩ፡ እቲ ኣብ ማሕበራዊ መራከቢታት ዘሎ ሓቅታት ዘረጋግጽ።
ኣብ እዋን ምምጻእ ጉጅለ ህግደፍ ኤርትራ ልዕሊ 300 ፋብሪካታት ከምዝነበራ ዝጠቀሰ ኣብይ ኣሕመድ፡ ኣብዚ ሕጂ ሰዓት ኤርትራ ምሉእ ብምሉእ ምዕናዋን፡ ህዝባ ውን ናብ ጎረባብቲ ሃገራት ይፈልሱ ምህላዎምን’ዩ ኣብ ቃላቱ ዝገልጽ።