ጉጅለ ህግደፍ ብሰንኪ እምነቶም ንዓመታት ጨውዩዎም ዝጸንሐ ሰዓብቲ ወንጌላውያን ኣብያተ-ክርስትያን ከምዝፈትሐ ማዕከን ዜና ቢቢሲ ሓቢራ።
እቶም ኣብ ዝሓለፈ ሒደት መዓልታት ዝተፈትሑ ዜጋታት፡ ብቁጽሪ 40 ምኳኖም ዝጠቀሱ ቢቢሲ፡ ማይ ስርዋ ተባሂሉ ኣብ ዝፍለጥ ወተሃደራዊ ቤትማእሰርቲ ንዓመታት ተጨውዮም ኣብ ትሕቲ ስቅያት ምጽንሖም’ዩ እቲ ሓበሬታ ወሲኹ ዘረድእ።
ጉጅለ ህግደፍ ካብ’ዚ ቀረባ እዋን ኣትሒዙ፡ ቅድሚ ዓመታት ንዝጨወዮም ኣማኢት ዝቑጽሮም ጭዉያት ዜጋታት፡ ብተመሳሳሊ ኣገባብ ክፈትሖምን፡ ብዘይዝኮነ ሕጋዊ መስርሕ ከፋንዎምን ምጽንሑ ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ድሕሪ’ቲ ጽምዶ ንምሕያል ተባሂሉ ኣብ ልዕሊ ተጋሩ ዝተወስደ ናይ ምፍታሕ ስጉምቲ፡ ነድሪ ህዝቢ ንምዝሕሓል ኤርትራውያን ውን ክፈትሖምን ናብ ሰራዊት ክጽንብሮምን ምጽንሑ’ዩ ዝንገር።።
ኣብ ምጅማር ናይ’ዚ ዓመት እዚ ብተመሳሳሊ፡ ኣብ ዞባ ጋሽ-ባርካ ኣብ ዝርከቡ ኣብያተ-ማእሰርቲ ተሰዊሮም ንዝጸንሑን፡ ብቁጽሪ 13 ምኳኖም ዝተገልጹ ዜጋታት ዝፈትሐ ጉጅለ ህግደፍ፡ ምስ ምልቃቅ ሰለስተ ዓመት ዝተሓየሩ ተጋሩ፡ ነድርን ቁጥዕነ ህዝቢ ኤርትራ ንምዝሓልን፡ ምዕሩይነት ምሕደራ ከምዘለዎ ንምርግጋጽን፡ ሰዊርዎም ንዝጸንሐ ዜጋታት ብዘይ ፍርዳዊ መስርሕ ይለቅቅ ምህላዎ ውን’ዩ ዝእመን።
ጉጅለ ህግደፍ ኣብ ወርሓት ሕዳርን ታሕሳስን ናይ 2025 ውን፡ ብዘይ ዝኮነ ክስን ሕጋዊ መስርሕ ፍርድን፡ ብውልቃዊ እምነቶም ዓመታት ጨውይዎምን ንዝጸንሐ ኣስታት 100 ዜጋታት፡ ብተመሳሳሊ ኣገባብ ከምዘፋነዎም ዝዝከር ኮይኑ፡ ንኣስታት 18 ዓመታት ኣብ ማይ-ስርዋ ተኣሲሮም ዝነበሩ፡ ነጋዶ፡ ኣባላት ሓይልታት ጸጥታን፡ ካልኦት ሰብ ሞያውያን ዝርከብዎም ሓያሎ ሰባት ውን፡ ድሕሪ ናይ ዓመታት ክሲ ኣልቦ ጭውያ ፈቲሕዎም ምንባሩ ኣይርሳዕን።
ኣብ ዝሓለፈ ቀዳመ-ሰንበት ተፈቲሖም ናብ ስድራቤታቶም ካብ ዝተፋነዉ ግዳያት ጭውያ ህግደፍ ፡ ደቂኣንስትዮን መጻምድቲን ከምዝርከቡ ዝተፈልጠ ኮይኑ፡ ዝኮነ ይኩን ክስን ፍርድን ከምዘይተዋህቦም ውን’ዩ እቲ ሓበሬታ ዘረጋግጽ።
ጉጅለ ህግደፍ ፖለቲከኛታት፡ ጋዜጠኛታት፡ መምህራንን መራሕቲ ሃይማኖትን ዝርከብዎም ኣስታት 10,000 ዜጋታት ንዓመታት ጨውዩ የሳቅዮም ምህላዉ ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ኵሎም ብህጹጽ ክፍትሑን ጉጅለ ህግደፍ ኣብ ልዕሊ ዜጋታቱ ምሕረት ክእውጅን፡ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ዝሓለፈ ዓመት መጸዋዕታ ኣቅሪቡ ምንባሩ ውን ዝዝከር’ዩ።
ኣብ 2001 ምሉእ ብምሉእ ምልካዊ ስርዓት ምኳኑ ዛኣወጀ ጉጅለ ህግደፍ፡ ካብ 2002 ዓመተምህረት ጀሚሩ፡ ሓያሎ ካብተን እምነታት ብወግዒ ክእግድን፡ ንመራሕተንን ክጨውን ድሕሪ ምጅማሩ፡ ክሳብ ለይቲ ሎሚ ብኣማኢት ኣሽሓት ዝቁጸሩ ዜጋታት ግዳይ ናይቲ ጉጅለ ኮይኖም ምህላዎም’ዩ መዛግብ ሰባኣዊ መሰላት ኤርትራ ዘረጋግጽ።፡
ንልዕሊ 21 ዓመታት ኣብ ማእሰርቲ ካብ ዝርከቡ መራሕቲ ሃይማኖት፡ ዶ/ር ክፍሉ ገብረመስቀል፡ ቀሺ ዶ/ር ፍጹም ገብረንጉስ፡ ቀሺ ዶ/ር ተኽለኣብ መንግስትኣብ፡ ቀሺ ገብረመድህን ገብረጊዮርጊስ፡ ፓስተር ኪዳነ ወልዱን ፓስተር ሃይለ ናይዝጊን እቶም ቀንዲ ምኳኖምን ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ክሳብ ለይቲ ሎሚ ኣብ ልዕሊኦም ዝቐረበ ወግዓዊ ክሲ ከምዘየለን፡ ዛጊት ኣብ ዝዀነ ቤትፍርዲ ውን ከምዘይቀረቡን’ዮም ሕቡራት ሃገራት ዝርከቦም ተሓለቕቲ ሰባዊ መሰላት ይግልጹ።
ጉጅለ ህግደፍ፡ ብውልቃዊ እምነቶም ዓመታት ንዝጨወዮም ዜጋታት ኤርትራ፡ ብጉዳይ ጸጥታን ክሕደትን ክኸሶም ዝፍትን እኳ እንተኮነ፡ ተግባራቱ ኣካል ናይቲ ውልቀመለኽቲ ዝግበርዎ ኣረሜናዊ ተግባር ምኳኑ’ዩ ዝነግር።