ሓደ ካብ ሓደገኛታት መራሕቲ ዓለም ምኳኑ ዝንገረሉ፡ ፕረዚደንት ሰሜን ኮርያ ኪም ጆንግ ኡን፡ ኣብ ኢራን ካብ ዝርከቡ ዜጋታት ሰሜን ኮሪያ ሓደ እኳ እንተተንኪፉ፡ ሰሜን ኮርያ ናብቲ ውግእ ክጽንበር እያ ክብል ኣጠንቂቑ።
መራሒ ሰሜን ኮርያ ኪም ጆንግ ኡን ኣብ ቃላቱ፡ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ኣብ ዝካየድ ዘሎ ውግእ፡ ኢድ ንምእታው ዘኽእል ኣዝዩ ሓደገኛን ጽኑዕን መጠንቀቕታ ይህብ ምህላዉ ዝጠቀሰ ኮይኑ፡ ሓደ ዜጋ ሰሜን ኮርያ ካብ እስራኤል ኮነ ኣመሪካ መጥቃዕቲ ምስ ዝወርዶ፡ ሰሜን ኮርያ ብቀጥታ ናብቲ ኲናት ክታኣቱ ምኳና ድሕሪ ምግላጹ፡ ቃላት እቲ መራሒ ዓለም ኣናዊጹ ምህላዉ’ዩ ዕለታዊ ሓበሬታታት ዘመልክት።
እቲ መራሒ ኣብ ወግዓዊ መግለጺኡ ከምዝገለጾ፡ ብድሕነትን ጸጥታን ኣብ መሬት ኢራን ዝርከቡ ዜጋታት ሰሜን ኮሪያ፡ ዝኮነ ይኩን ዋጋ ዕዳጋ ክህሉ ከምዘይኮነ ዝገለጸ ኮይኑ፡ ካብ’ዚ ወጻኢ ዝኮነ ይኩን ዜጋ ሰሜን ኮርያ እንተተተንኪፉ ግን፡ ሰሜን ኮሪያ ብዘይ ዝኾነ ምውልዋልን ቅድመ-ኩነትን፡ ናብ’ቲ ሓደገኛ ኲናት ክትኣቱ ኢያ ብምባል’ዩ፡ ዓለም ዘሰንበደ መግለጺ ሂቡ ዝርከብ።
ኪም ጆንግ ኡን ዝሃቦ ሓደገኛ መግለጺ፡ ኣብ’ቲ ዞባ ዘሎ ወጥሪ ናብ ሳልሳይ ኲናት ዓለም ክቕይሮ ይኽእል እዩ ዝብል፡ ልዑል ስግኣት ኣብ ማሕበረሰብ ዓለም ፈጢሩ ምህላዉ ዝተገልጸ ኮይኑ፡ እዚ ግሁድ ኮይኑ ሰሜን ኮርያ ናብ’ቲ ግጭት እንተኣትያ፡ ኣመሪካን ሰዓብታን ብኸቢድ ክጥቅዓ ከምዝኽእላ’ዩ ዝንገር።