ጨቋኒ ምሕደራ ጉጅለ ህግደፍ ንምእላይን፡ ሉኡላዊ ግዛኣት ኤርትራ ንምውሓስን፡ መድረኽ ዝጠልቦ ጥርናፈን ንቕሓትን ከምዘድሊ ደለይቲ ፍትሕን በርጌሳውያን ማሕበራትን ገሊጾም።
ኤርትራውያን ነቲ ንህዝብና ዝጭፍልቕን፡ ንሃገርና ዘድክን ዘሎ ጉጅለ ንምእላይ፡ ኩሉ ዓይነት ቃልሲ ኣብ ዝጠልብ መድረኻዊ ጉዕዞ ምህላውና ዝገለጹ ደለይቲ ፍትሒ፡ ነጠፍቲ ማሕበራዊ ሚዲያን በርጌሳውያን ማሕበራትን፡ ምልካዊ ስርዓት ህግደፍ ሰሪ ዝተከተሎ ግጉይ ፖሊሲ፡ ኤርትራ ሉኡላዊ ሓደጋ ገጥምዋ ምህላዉ ብምጥቃስ፡ ኩሉ ደላዪ ፍትሒ ተቃላሳይ፡ መድረኽ ዝጠልቦ ውዳበን ኣጠማምታን ክህልዎ ከምዝግባእ’ዮም ዝገልጹ።
ኣብ’ዚ እዋን እዚ ሃገር ብኩሉ መለክዒ ኣብ ኣዝዩ ሓደገኛ ኩነታት ኣትያ ምህላዋ ዝጠቀሱ እቶም ተቃለስቲ፡ ኪንዮ’ቲ ኣብ ልዕሌናን ልዕሊ ህዝብናን ዝወረደ በደል፡ብሰንኪ እኩይ ድላይ ጉጅለ ህግደፍ ሃገርና ውን ኣብ ሓደጋ ወዲቃ ምህላዋ ብምጥቃስ፡ ከም ህዝቢ ኣብ ናይ 0 ሰዓት ደረጃ በጺሕና ምህላውና ክንርዳእ ከምዝግባእ’ዮም ዝምዕዱ።
ህዝቢ ኤርትራ ማዕረ’ቲ ንናጽነቱን ንመሰሉን ዝኸፈሎ ከቢድ መስዋእቲ፡ ድሕሪ ናጽነት ኣብ ሃገሩ ብክብረትን ብሰላምን ክነብር ዘይምኽኣሉ ኣዝዩ ዘሕዝን ዕድል ምዃኑ ዝገለጹ እቶም ተቃለስቲ፡ ሕጂ ውን ህግደፍ ንልኡላውነት ሃገርና ኣብ ዋጋ ዕዳጋ ከየውደቆን፡ ከም ህዝቢ ውን ኣብ ሓደጋ ከይንወድቕን፡ ቅልጡፍ ስጉምቲ ክንወስድ ከምዝግባእ’ዮም ዝገልጹ።
ሰልፊ ብልጽግና ኢትዮጵያ ብጉልባብ ኣፍደገ ባሕሪ ልኡላውነት ኤርትራ ብሓይሊ ንምምንዛዕ ዘካይዶ ዘሎ ዘመተን፡ ንኣህጉራዊ ውዕላት ዝጥሕስ ኣዋጅ ኩናትን፡ ስሙር ተቃውሞን ኩነኔን ናይ ነፍስ ወከፍ ኤርትራ ከምዝሓትት ወሲኾም ዝገለጹ እቶም ተቃለስቲ፡ ህግደፍ ዝጽሕትሮ ዘሎ ሓደገኛ ኩነታት ሃገር ኣልቦ ከይገብረና፡ ብዝከኣለና ክንቃለሶ’ዮም ዝምዕዱ።
ንጉጅለ ህግደፍ ስለዝጸላእና ጥራሕ፡ ህዝብናን ሃገርናን ኣብ ዳግማይ ጎበጣ ካኣቱ ፍቃፍ ክንህብ ከምዘይብልና ዝጠቀሰ ምሕጽናታ እቶም ተቃለስቲ፡መዐንደሪ ግዳማውያን ሓይልታት ዝኸውን ቀዳድ ከይንኸፍት፡ ልዑል ጥንቃቐ ኣብ ዝሓትት መድረክ በጺሕና ምህላውና’ዮም ዝጋኣቶም ዘቀምጡ።
እቲ እንኮ ፍታሕን ምርጫን፡ ኤርትራውያን ወሰንቲ ህይወትና ክንከውንን ሕሰምና ክቕንጠጥን: ኣብ ሃገርና ንሕጊ ዝምእዘዝን ዝግዛእን ስልጡን ሕብረተሰብ ንምህናጽ ብጽንዓት ብሓድነትን ምስራሕን ምኳኑ ድሕሪ ምጥቃሶም፡ ብተወሳኺ ኣብ ወጻኢ ዘሎ ኤርትራዊ ምስቲ ዝኸፍአ ሕሰም ጉጅለ ህግደፍ ተቃሊዑ ዘሎ ህዝብናን ሰራዊትና ክናበብን ከተኣሳሰርን ግዴታ እምበር ምርጫ ከምዘይኮነ ምግንዛብ ከምዘድሊ’ዮም ዘተሓሳስቡ።