ሰራዊት እስራኤል፡ መጥቃዕቲ ኣብ ዝፍጸመሉ ግዜ፡ ላዕለዋይ መራሒ ኢራን ኣያቶላ ዓሊ ኻሚኒ ይዕቆቡሉ ምንባሩ ንዝእመነሉ ናይ ትሕቲ መሬት ዝርከብ ዕርዲ ከም ዘዕነወ ኣፍሊጡ።
እቲ ጽኑዕ ናይ ትሕቲ መሬት ዕርዲ፡ ጸጥታን ድሕነትን ላዕለዎት ሰበስልጣናት ኢራን ንምሕላው ተባሂሉ፡ ብዝለዓለ ናይ ምህንድስና ዓቅሚ ዝተሃንጸን፡ ካብ ሓደገኛ መጥቃዕቲ ዝከላኸልን ዕርዲ ምንባሩ ዝጠቀሰ ሰራዊት እስራኤል፡ ነዚ ዕርዲ እዚ ንምዕናው 50 ናይ ሓይሊ ኣየር ተዋጋእቲ ነፈርቲ ከም ዘሳተፈን፡ ምሉእ ብምሉእ ከምዘዕነዎን’ዩ ዝገልጽ።
እዚ ኣዝዩ ድልዱል ናይ ትሕቲ መሬት ዕርዲ፡ ኣቀዲሙ ዝተቀንጸለ ላዕለዋይ መራሒ ኢራን ኣያቱላህ ኣሌ ካሚኒ፡ ኣብ እዋን ሓደጋ ኣብ ውሑስ ናይ እዝ ማእከል ኮይኑ ንክመርሕ ተባሂሉ ዝተሃንጸ ምኳኑ ዝጠቀሰ ኮይኑ፡ እስራኤል እቲ መራሒ ናቡኡ ከይገዓዘ ኣትሒዛ ብዝጀመረቶ ስጉምቲ ምሉእ ብምሉእ ከምዘዕነወቶ’ዩ ዝገልጽ።
እቲ ጽኑዕ ናይ ትሕቲ መሬት ዕርዲ፡ ኣብ ማእከል ከተማ ቴህራን ምስ ዝርከቡ ብዙሓት ጐደናታት ዝተኣሳሰረ መስመር ከምዘለዎ ወሲኹ ዝጠቀሰ ሰራዊት እስራኤል፡ ላዕለዎት ሰበ-ስልጣን ኢራን እውን ይጥቀሙሉ ምንባሮም ድሕሪ ምጥቃስ፡ ኣብ’ዚ ሕጂ ሰዓት ምሉእ ብምሉእ ካብ ስራሕ ወጻኢ ምኳኑ’ዩ ዝገልጽ።
እዚ ከምዚ’ሉ እንከሎ ሚኒስትር ጉዳያት ወጻኢ ኢራን ዓባስ ኣራግቺ ብወገኑ፡ ኢራን ንኩሉ ዓይነት ወተሃደራዊ ግጥማት ድልውቲ ምህላዋ ዝጠቀሰ ኮይኑ፡ እስራኤልን ኣመሪካን ንኢራን ብኣጋር ሰራዊት ከጥቅዓኣ እንተፈቲነን፡ ከቢድ መቅዘፍቲ ክበጽሐን’ዩ ክብል ኣጠንቂቁ።
ሚኒስትር ዓባስ ኣራክቺ ነዚ ዝገለጸ ምስ ቴሌቪዥን ABC News ኣብ ዝገበሮ ቃለ-መሕትት ኮይኑ፡ ተዋጋኢ ሰራዊት ሓይልታት ምክልኻል ኢራን፡ ካብ ኣመሪካን እስራኤልን ንዝመጽእ ዝኾነ ዓይነት መጥቃዕቲ ንምምካት ድሉው ምህላዉ ድሕሪ ምጥቃሱ፡ ኣጋር ሰራዊት ናብ ኢራን ከእትዋ እንተፈቲነን፡ ተራእዩ ዘይፈልጥ ህልቂት ክስዕበን ምኳኑ’ዩ ኣብ ቃላቱ ዘጠንቅቕ።
ንኹሉ እንተታት ብዝግባእ ተዳሊና ብኣጋር ሰራዊት ክመጹና ንጽበዮም ኣለና ዝበለ እቲ ኢራናዊ በዓል ስልጣን፡ ነዚ ውሳነ ክወስዱ እንተመሪጾሞ፡ ከቢድ መቕዘፍቲ ይጽበዮም ምህላዉ ኣብ ግምት ከእትዉ’ዩ ዝምዕድ።
ቅድሚ ሎሚ ክልተ ግዜ ንዘተ ተቐሚጦም ምንባሮምን፡ ኣብ ክልቲኡ ኣጋጣሚ እውን መጥቃዕቲ ከምዝወረዶምን ዝጠቀሰ ኣራግቺ፡ ሃገሩ ኢራን ምስ ኣመሪካን እስራኤልን ዳግማይ ስምምዕ ምቁራጽ ተጻቦኦ ንምግባር ድሌት ከምዘይብላ’ዩ ዘረጋግጽ።
እቲ ሚኒስትር ወሲኹ፡ ኢራን ልዑል መጠን ፍርያት ነዳዲ ንዝሓልፈሉ መስመር ሆርሙዝ ናይ ምዕጻው ድሌት ከምዘይብላ ዝገለጸ ኮይኑ፡ ይኹን እምበር እቲ ኲናት መሊሱ ዝባራዕ እንተኾይኑ ነቲ ስጉምቲ ካብ ምውሳድ ንድሕሪት ክትብል ከምዘይኮነት’ዩ ዘጠንቅቕ።