ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ሰላም ናይ ምስፋን ዕድል ኣዝዩ ጸቢብ ምዃኑ ገሊጹ።
ኣመሪካን እስራኤልን ኣብ ልዕሊ ኢራን ዝፍጽምኦ ዘለዉ መጥቃዕቲ ሓይሉ ብምቕጻሉ፡ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ሰላም ናይ ምስፋን ዕድል ኣዝዩ ጸቢብ ምዃኑ ዝጠቀሰ ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡
በቲ ኩነታት ዓቢ ስጋኣት ከምዝስምዖ ገሊጹ።
ነዚ ዝገለጸ ላዕለዋይ ኮሚሽነር ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት መንግስታት ቮልከር ቱርክ ኮይኑ፡ ኩነታት ማእከላይ ምብራቅ ካብ እዋን ግጭት እስራኤልን ፍሊስጤምን ኣትሒዙ ክሳብ ለይቲ ሎሚ ርጋኣት ከምዘይረኸበ ዝጠቀሰ ኮይኑ፡ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ሰላም ናይ ምስፋን ዕድል ክረጋገጽ፡ ኩሎም ሓይልታት ፍቃድ ክህቡ ከምዝግባእ’ዩ ጻውዒቱ ኣቅሪቡ ዝርከብ።
ኣመሪካን እስራኤልን ኣብ ልዕሊ ኢራን ዝኸፈትዎ ኲናት፡ ሎሚ ቀዳም መበል ሻሙናይ መዓልቱ ሒዙ ብሓያል ግጭት ይቅጽል ምህላው ዘተሓሳሰቦ እቲ ኮምሽነር፡ ኩሎም ሓይልታት ናይ ሰላም ዕድል ክጥቀጠሙን፡ ዞባ ማእከላይ ምብራቅ ዝረጋኣሉ ኩነታት ኣብ ምፍጣር ክተሓባበሩን”ል’ዩ ጻውዒቱ ዝቅሪቡ ዝርከብ።
ብመሰረት ሓበሬታ ቤት ጽሕፈት ዜና ፈረንሳ AFP፡ እቲ ኮሚሽነር ንጋዜጠኛታት እቲ ትካል ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ዓለም ነዚ ሓደገኛ ሓዊ እዚ ንምጥፋእ ህጹጽ ስጉምቲ ክትወስድ ኣለዋ ምባሉ ዝጠቀሰ ኮይኑ፡ እዚ ሕጂ ኣብ ማእከላይ ምብራቅ ዝረአ ዘሎ ኩነታት፡ ዜጋታት ምቅታል፡ ገበን ምፍጻም፡ ግጭት ምጉሃር፡ ምዕናውን ምብራስን ጥራሕ ምኳኑ ብምግላጽ ኣተሓሳሳቢ ምኳኑ ከምዝገለጸሉ’ዩ ዝጠቅስ።
እቲ ኮምሽነር ወሲኹ፡ ኩሎም ተዋጋእቲ ሓይልታት ዞባ ማእከላይ ምባርቅ ንሰላም ዕድል ክህቡ እሓትት ምባሉ ዝጠቀሰ AFP፡ ካልኦት ሓያላን ሃገራት እውን ተራጸምቲ ሓይልታት ካብ የዕናዊ ተግባራቶም ንኽቑጠቡ ከተሓሳስባ ኣለወን ምባሉን፡ ንጹሃን ሰባት ዝያዳ ከይጉድኡ እቲ ቅልውላው ውን ናብ ዘይምለሰሉ ደረጃ ንኸይበጽሕ፡ ኩሉ ዝከኣሎ ክገብር ይሓተት ምህላዉ ምጥቃሱ’ዩ ዝገልጽ።