ፕረዚደንት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕ፡ ምስ ኢራን ስምምዕ ንምግባር ዘኽእል ዕድል ከምዘየለ ድሕሪ ምግላጹ፡ እቲ ኲናት ዝዛዘም ኢራን ብዘይ ዝኾነ ቅድመ-ኩነት ኢዳ እንተሂባ ጥራሕ ምኳኑ ገሊጹ።
ትራምፕ ነዚ ዝገለጸ ብመንገዲ ናይ ውልቁ መርበብ ሓበሬታ ትሩዝ ሶሻል (Truth Social) ኣቢሉ ኣብ ዘስፈሮ ጽሑፍ ኮይኑ፡ እቲ ተወሊዑ ዘሎ ኲናት ብሰለማዊ መንገዲ ደው ክብለሉ ዝክእል ዕድላት ከምዘየለ ድሕሪ ምጥቃሱ፡ ኢራን ብዘይ ዝኾነ ቅድመ-ኩነት ኢዳ እንተዘይሂባ ጥራሕ ኲናት ደው ከምዝብል’ዩ ገሊጹ ዝርከብ።
እቲ ኲናት ምስ ተዛዘመ፡ ብወገን ኣመሪካ ተቀባልነት ዘለዎ መራሒ ስልጣን ከምዝሕዝ ኣብ ጽሑፉ ዝጠቀሰ ትራምፕ፡
ኣመሪካን መሻርኽታን ኢራን ካብ ውድቀት ንምድሓን ብዘይ ምስልካይ ክሰርሑ ምዃኖም’ዩ ዝገልጽ።
ኢራን ኢዳ እንተሂባ፡ ስርዓታዊ ለውጢ ከምዝህሉም ቁጠባ ኢራን እውን ካብ ዝኾነ እዋን ንላዕሊ ክበራበር ምኳኑን ወሲኩ ዝጠቀሰ ትራምፕ፡ ኢራን ናብ ሓያልነታ ክንመልሳ ኢና፡ መጻኢ እታ ሃገር ውን ብሩህ እዩ ክብል’ዩ፡ ኣብ’ቲ ናይ ጽሑፍ መልእኽቲ ገሊጹ ዝርከብ።
ኣቀድም ኣቢሉ ፕረዚደንት ኢራን ማሱድ ፔዤሽኪያን፡ ሃገሩ ኢራን ምስ ኣመሪካን ንምትዕራቕ ገለ ሃገራት ዓለም ጻዕሪ ጀሚረን ኣለዋ ክብል ጠቂሱ ምንባሩ ዝዝከር ኮይኑ፡ ይኹን እምበር፡ እተን ንዕርቂ ዝተበገሳን ጻዕሪ ዝገብራ ዘለዋን ሃገራት፡ ኣየኖት ምኳነን ኣይጠቀሰ።