ሃይማኖታዊ መራሒ ሰውራ ኢራን ኣያቱላህ ኣሊ ካሚኒ ድሕሪ ምማቱ፡ ክሳብ ለይቲ ሎሚ ቀዋሚ መተካእታ ኣብ ምንዳይ ዝጸንዝሐት ኢራን፡ ላዕለዎት መራሕቲ ሃይማኖት ኢራን ሓድሽ ላዕለዋይ መራሒ ንምምራጽ ኣብ ምርድዳእ ድሕሪ ምብጽሖም፡ መራሒኣ ከተነጽር ምኳና ተገሊጹ።
ኣመሪካን እስራኤልን ኣንጻር ኢራን ዝከፈቶኦ ኲናት፡ ድሮ ካልኣይ ሰሙኑ ኣብ ዝሕዘሉ ዘሎ እዋን፡ ኢራን ጎኒ’ቲ ኣብ ኣብ መላእ ማእከላይ ምብራቕ ዝካየድ ዘሎ ኲናት፡ መራሒ ኣብ ምምራጽ ምጽንሓ ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ድሕሪ ብዙሕ ውረድ ደይብ መራሕቲ ሃይማኖት ኢራን፡ ሓድሽ ላዕለዋይ መራሒ ንምምራጽ ኣብ ምርድዳእ ምብጽሖም እኳ እንተተገልጸ፡ ዝተወሰነ ዕንቅፋት ክህልዎ ከምዝኽእል ውን’ዩ ዝንገር።
እስራኤል ነቲ ዝሓለፈ ሰሙን ብመጥቃዕቲ ኣመሪካን እስራኤልን ዝተቐትለ ኣያቶላህ ዓሊ ካሜኒ “ዝትክእ” መራሒ፡ ገና ኣብ ፈለማ መዓልታት ስልጣኑ፡ ዕላማ ክትገብሮ ምዃና ከተጠንቅቅ ምጽንሓ ውን ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ነዚ ኣብ ግምት ዘእተወት ኢራን ኣብ ጉዳይ ምምራጽ ሓድሽ መራሒ ሰውራ፡ ክቱር ጥንቃቀ ክትወስድ ምምራጻ’ዩ ዝንገር።
ምስ’ዚ ብዝተኣሳሰር ዜና፡ ድሕሪ ሞት ወላዲኡ ኣያቱላህ ኣሊ ካሚኒ፡ ንሰውራ ኢራን ክመርሕ’ዩ ተባሂሉ ክንገረሉ ዝጸንሐ ሞጅታባ ካሚኒ፡ ካብ ሞት ንስክላ ከምዘምለጠ ተገሊጹ።
መንፈሳዊ መራሒ ሰውራ ኢራን ኣያቶላ ዓሊ ኻሜነይ፡ ኣመሪካን እስራኤልን ብዝፈጸሞኦ መጥቃዕቲ ድሕሪ ምቅታሉ፡ ወዱ ሞጅታባ ኻሜነይ ነቡኡ ተኪኡ መራሒ ኢራን ክኸውን ተወጢኑ ምንባሩ ዝዝከር ኮይኑ፡ እቲ ኣብ ትሕቲ ጽኑዕ ዕላማ መጥቃዕቲ እስራኤል ምህላዉ ዝንገረሉ መንእሰይ፡ ትማሊ ሓይሊ ኣየር እስራኤል ኣብ ዝፈጸሞ መጥቃዕቲ ካብ ሞት ከም ዝደሓነ’ዩ ተገሊጹ ዝርከብ።
ወዲ ካሚኒ ሞጅታባ ካሚኒ፡ በቲ ዝተፈጸመ ናይ ዕላማ መጥቃዕቲ ተሳሒቱ ካብ ሞት እኳ እንተምለጠ፡ ናይ ምቑሳል ሓደጋ ግን ከም ዝበጽሖ እስራኤል ቻነል 12ን፡ ዘ ኒውዮርክ ፖስትን ዝገለጹ ኮይኖም፡ በዓል መዚ ሰራዊት እስራኤል ግን ነዚ ጉዳይ እዚ ኣመልኪቱ ዝሃቦ ዝኮነ ይኩን መግለጺ የለን።
ብካልእ ዜና ቀንዲ ኣዛዚ ሰውራዊ ጋርድ ሰራዊት ኢራን ዝነበረ ኢስማኢል ቃኣኒ፡
ድሕነቱ ተሓልዩ ብሰላም ናብ እስራኤል ከምዝገዓዘ ተገሊጹ።
ዝተፈላለያ ማዕከናት ዜና ዓለም፡ እስማዒል ቃኣኒ ብመጥቃዕቲ እስራኤል ተቀቲሉ፡ ብሓለውቱ ተቀንጺሉ፡ ተኣሲሩ ወይ ውን ነብሱ ኣጥፊኡ ክኸውን ይክእል’ዩ ዝብል ሓበሬታ ክህባ ምጽንሐን ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ካብ እስራኤል ዝወጹ ዘለዉ ጸብጻባት ከም ዘመልክትዎ ግን፡ እቲ ምስ እስራኤል ክተሓበበር ዝጸንዝሐ ወተሃደራዊ መኮነን፡ ድሕነቱ ተሓልዩ ብሰላም ናብ እስራኤል ከም ዝኣተወ’ዩ ተጠቒሱ ዝርከብ።
እስማኤል ቃኣኒ ላዕለዋይ ኣዛዚ ሰራዊት ሰውራዊ ጋርድ ኢራን ምንባሩ ዝተጠቅሰ ኮይኑ፡ ንእስራኤል ሓበሬታ ብምሃብ፡ መራሒ ሓማስ ኢስማኢል ሃንየ፡ መራሕቲ ሂዝቦላህ ናስራላህን ሳፊዲንን፡ መራሒ ኢራን ኣያቶላ ዓሊ ኻሜነይን ላዕለዎት ጀነራላት ኢራንን ንክቕንጸሉ፡ ዓቢ ተራ ከም ዝተጻወተ’ዩ ተገሊጹ ዝርከብ።