ብቅድሚ ትማሊ ምሸት ሰዓት 9:30 ክልተ ኤርትራውያን ስደተኛታት መንነቶም ብዘይተፈልጠ ዕጡቃት ተጨውዮም ምህላዎም፡ ካብ’ቲ መዓስከር ዝተረኽብ ሓበሬታ ኣረዲኡ።
እቶም ብሸፋቱ ተጨውዮም ዘለው ኤርትራውያን፡ ሓደ ኣማኑኤል ደጀን ዝተባህለ ምስ ጥዕና ዘይብሎም ስድሩኡ ዝነብር፡ ከሙኡ ውን ዓብደላ ኢብራሂም ዓብደላ ዝተባህለ ኣቦ 5 ስድራ ምኳኖም ዝተገልጸ ኮይኑ፡ ብቅድሚ ትማሊ ምስ ተጨውዩ ክሳብ ለይቲ ሎሚ ንጹር ድሃይ ከምዘይብሎምን፡ ልዕሊ 2ሚልዮን መልቀቒ ዋጋ ይሕተቱ ምህላዎምን’ዮም ኣባላት ስድራቤቶም ዝገልጹ።
እቶም መንነቶም ዘይፍለጡ ጨወይቲ፡ ለይቲ ምድሪ ተጸናትዮም ነቲ ናይ ጭውያ ተግባራት ከምዝፈጸምዎ ዝተጠቅሰ ኮይኑ፡ ክሳብ ትማሊ ወጋሕታ ብሓንሳብ ሒዞሞም ድሕሪ ምጽናሕ ኣብ’ዚ ሕጂ ሰዓት ከምዝፈላለይዎምን፡ ነፍሲ ወከፎም ልዕሊ ሓደ ሚሊዮን ብር ገንዘብ ይሓቱ ምህላዎምን’ዩ እቲ ሓበሬታ ወሲኩ ዘረድእ።
ንዝሓለፈ 3 ዓመታት ኣብ መዓስከር ኣለምዋጭ ኣብ ልዕሊ ዝርከቡ ኤርትራውያን ስደተኛታት፡ ዓመታት ከምዚ ዓይነት ኣነዋሪ ተግባራት ክፍጸም ምጽንሑ ዝፍለጥ ኮይኑ፡ እዞም ሕጂ ብሸፋቱ ተጨውዮም ዘለዉ ኣለይቲ ስድራ ዝኮኑ ዜጋታት ሂወቶም ኣብ ሓደጋ እንከይወደቀ፡ ኩሉ ኤርትራዊ ብዝከኣሎ ክተሓባበርን፡ ሂወቶም ኣብ ምውሓስ ክሰርሕን፡ ነበርቲ እቲ መዓስከር ኣብ ዝሰደዱልና ሓበሬታ ተላብዮም።