ኣብ ኦስሎ ኖርወይ ዝርከብ ኤምባሲ ኣመሪካ፡ ኣጋ ወጋሕታ ብዝተፈጸመ ናይ ቡንባ ፍንጀራ ከምዝተሃርመ ፖሊስ ኖርወይ ሓቢሩ።
ፖሊስ ኖርወይ ድሕሪ’ቲ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ፡ ምስ ኤምባሲ ኣመሪካ ኣብ ዝርርብ ምህላዉ ዝገለጸ ኮይኑ፡ ይኹን እምበር ኣብ ልዕሊ ሰብ ዝወረደ ሓደጋ ከምዘየለ’ዩ ኣረጋግጺኡ ዝርከብ።
ብልክዕ እንታይ ከም ዘጋጠመን ወይ ውን እቲ መጥቃዕቲ መን ከምዝፈጸሞን፡ ዛጊት ዝኮነ ይኩን ሓበሬታ ከምዘይብሉ ወሲኹ ዝጠቀሰ ፖሊስ ኖርወይ፡ ነቲ ጉዳይ ብጥብቂ ይምርምሮ ምህላዉን፡ ምስ ኤምባሲ ኣመሪካ ውን ብቅርበት ይሰርሕ ምህላዉን’ዩ ዝገልጽ።
እቲ ካብ ውሽጢ ከተማ ኖርወይ ንእሽተይ ውጽእ ኢሉ ዝርከብ ኤምባሲ፡ በቲ ናይ ቡምባ መጥቃዕቲ ቀሊል ጉዳኣት ከምዝበጽሖ ጸብጻባት ማዕከናት ዜና እታ ሃገር ዝጠቀሱ ኮይኖም፡ ሰራሕተኛታት እቲ ዲፕሎማስያዊ ትካል ኣመሪካ ግን፡ ዛጊድ ዝኾነ ይኩን ርእይቶ ካብ ምሃብ ተቆጢቦም ምህላዎም’ዩ ዝንገር።
ካብ ዜናታት ኣመሪካ ከይወጻና፡ ምምምሕዳር ዶናልድ ትራምፕ ምስ መንግስቲ ዓባይ ብሪጣንያ ኣብ ዲፕሎማሲያዊ ወጥሪ ከምዛኣተወ ተገሊጹ።
ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ተወሊዑ ንዘሎ ኲናት ኢራን ኣመልኪቱ ኣብ ዝሃቦ ቃል ንቀዳማይ ሚኒስተር ዓባይ ብሪጣንያ ሰር ኬር ስታርመር ብትሪ ዝነቀፈ ኮይኑ፡ ኣመሪካ ሓገዝ ዓባይ ብሪጣንያ ከምዘይትደሊ’ዩ ኣብ ቃላቱ ጠቒሱ ዝርከብ።
ትራምፕ ኣብ ማሕበራዊ ገጹ ኣብ ዘስፈሮ ጽሑፍ “ደጊም ምስ ተዓወትና ናብ ውግእ ዝጽንበሩ ሰባት ኣየድልዩናን’ዮም” ክብል ንመራሒ ዓባይ ብሪጣንያ ዝነቅፍ ጽሒፉ ዘቀመጠ ኮይኑ፡ ዓባይ ብሪጣንያ ኣብ’ቲ ኣመሪካ ዝደለየቶ ሰዓት ሓገዝ ኣይሃበትን ክብል’ዩ ከሲሱ ዝርከብ።
ነቀፌታ ዶናልድ ትራምፕ፡ ዓባይ ብሪጣንያ ነፈርቲ ኲናት እትጽዕን ዓባይ ዘመናዊት መርከባ፡ ንወፍሪ ድልውቲ ምዃና ድሕሪ ምግላጻ ዝሰዓበ ኮይኑ፡ ዓባይ ብሪጣንያ እቲ ኲናት ምስ ተወደአ እያ ከም’ዚ ትብል ዘላ ዝበለ ትራምፕ፡ ደጊም ሓጋዚ ከምዘይደልዩ እዩ ገሊጹ ዝርከብ።