እስራኤል ንትሕተ ቅርጺ ስርዓት ኢራን ዕላማ ዝገበረ ሓድሽ ማዕበል መጥቃዕቲ ከምዝጀመረት ድሕሪ ምእዋጃ፡ ወጥሪ ማእከላይ ምብራቅ መሊሱ ከምዝወሰኸ ተገሊጹ።
ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ዘሎ ወተሃደራዊ ግጭት ናብ ዝለዓለ ጥርዙ ኣብ ዝደየበሉ እዋን፣ ሰራዊት ምክልኻል እስራኤል (IDF) ኣብ ልዕሊ ኢራን ዝዓለመ ሓድሽ ሰፊሕ ናይ ኣየር መጥቃዕቲ ከምዝጀመረ ኣፍሊጡ።
እዚ ምንቅስቓስ እዚ፡ ኣብ ቴህራን ንዝርከቡ ስትራተጂካዊ መኽዘናት ነዳዲ ኣብ ሓደ ለይቲ ብኸቢድ ድሕሪ ምውቃዖም ዝሰዓበ ኮይኑ፡ ዒላማ እቲ መጥቃዕቲ ኣብ ቑጠባ እታ ሃገር ዓንዲ ሕቆ ንዝኾነ መሰረተ-ልምዓት ንምዕናው ዝፈለመ ምኳኑ’ዩ ዝንገር።
ምስ ምጅማር ኲናት ኢራን፡ ኣብ ውሽጢ እስራኤል ዘሎ ፖለቲካዊ ጸቕጢ እውን ይውስኽ ምህላዉ ዝትርገልጸ ኮይኑ፡ መራሒ ተቓዋሚ ሰልፊ ያየር ላፒድ ብወገኑ፡ መንግስቲ እስራኤል ቁጠባ ኢራን ሙሉእ ብሙሉእ ንምንብርካኽ ኩሉ ዕደና ነዳዲ ኢራን ዝከናወነሉ ቦታታት ከዕንዎ ኣለዎ ክብል ተማሕጺኑ።
እዚ ጻውዒት እዚ ምስቲ ሰራዊት እስራኤል ካብ ኢራን ዝተወንጨፉ ሚሳይላት ንምዕጋት ዝገብሮ ዘሎ ምክልኻልን፡ ኣብ ሊባኖስ ኣብ ዝርከብ ክንፊ እስላማዊ ሓለዋ ሰውራ ዝፈጸሞ መጥቃዕቲ ተደሚሩ፡ እቲ ኲናት ናብ ዝሰፈሐ መድረኽ ይሰጋገር ከምዘሎ ዘመልክት ምኳኑ ውን ዝተጠቅሰ ኮይኑ፡ ቀጺሉ ዝስዕብ ምዕናው ገንእታት ነዳዲ ኢራን፡ ከቢድ ዓለማዊ ቀውሲ ከስዕብ ከምዝኮነ’ዩ ዝእመን።
እቲ ኩነታት ኣብ ጎረቤት ሃገር ሊባኖስ እውን ብተመሳሳሊ፡ ከቢድ ሰብኣዊ ቅልውላው የስዕብ ምህላዉ ዝተገልጸ ኮይኑ፡ ሰበ-ስልጣን ሊባኖስ ኣብ ሓደ ለይቲ ጥራይ፡ ብርክት ዝበለ መጥቃዕታት ከምዝተፈጸመ’ዮም ዝሕብሩ።
ሐደ ካብቶም ኣብ ሊባኖስ ዝተፈጸሙ ዘስካሕክሑ ፍጻሜታት፡ ኣብ ልዕሊ ሓደ ሆቴል ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ኮይኑ፡ በቲ መጥቃዕቲ ኣርባዕተ ሰባት ከምዝሞቱን፡ ብሰንኪ እዚ ጐንጺ ኣስታት ፍርቂ ሚልዮን ህዝቢ ካብ ንብረቱ ተመዛቢሉ ምህላዉን’ዩ ዝንገር።
ብወገን ወሽመጥ ዓረብ እውን፡ እቲ ግጭት ናብ ጎረባብቲ ሃገራት ይላባዕ ምህላዉ ዘርእዩ ምልክታት ይርኣዩ ምህላዎም ዝግለጽ ኮይኑ፡ ኣብ ዓለምለካዊ መዓርፎ ነፈርቲ ኩዌትን ኣብ ልዕሊ ታንከራት ነዳዲን ንዝተፈጸመ መጥዋዕቲ ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ ንምፍሻል፡ ሰራዊት ሃገሩ ይቃለስ ምህላዉ ዝገለጸ ኮይኑ፡ ብካልእ ገጽ ካብ ዝተሃርመ ሚሳይል ዝተፈጥረ ስብርባር ሓጻውን ውን፡ ኣብ ዱባይ ኣብ ልዕሊ ሓንቲ መኪና ብምውዳቑ፡ ሓደ ነባሪ ህይወቱ ከምዝሓለፈ’ዩ ቤት ጽሕፈት ሚድያ ዱባይ ኣብ ሓበሬቱኡ ዘረጋግጽ።