ብመጥቃዕቲ እስራኤልን ኣመሪካን ንዝተቀንጸለ፡ ላዕለዋይ መራሒ ሰውራ ኢራን ኣያቱላህ ኣሌ ካሚኒ ብምትካእ፡ ሓድሽ ላዕለዋይ መራሒ ኢራን ኮይኑ ተሸይሙ ዝርከብ ወዱ ሞጅታባ ካመኒ፡ ብርክት ዝበለ ደገፍን ተቓውሞን ይስዕቦ ምህላዉ ተገሊጹ።
ገለ ገለ ደገፍቲ ስርዓት ኢራን፡ ምስቲ ሓያል ከም ምዃኑ ዝኣምንሉ ሓለዋ እስላማዊ ሰውራ ቅርበት ዘለዎ፡ ንወላዲኡ ዝመስል ተሪር ሰብ ተሸይሙ ብምባል፡ ንሽመት ሞጅታባ ካመኒ ብሓጎስ ይጽንብልዎ እኳ እንተሃለዉ፡ ብርክት ዝበሉ ዜጋታት ኢራን ባኣንጻሩ፡ ድሕሪ ምእላይ ኣያቱላህ ኣሌ ካሚኒ ለውጢ ክፍጠር ዝነበረ ትጽቢቶም ከምዝሃፈፈ ብምእማን፡ ኣንጻር እቲ ሓድሽ መራሒ ተቓውሞታት የስምዑ ምህላዎም’ዩ ዝንገር።
ብርክት ዝበሉ ኢራናውያን ዜጋታት፡ ድሕሪ ምሻም ሞጅታባ ካመኒ ኣብ ዝሃብዎ ቃል፡ ኣብ ኢራን ስርዓተ ለውጢ ክካየድ ድሌቶም ምንባሩ ዝጠቀሱ ኮይኖም፡ ይኩን እምበር ድሕሪ ምእላይ ካሚኒ ውላዱ ሞጅታባ ካመኒ ሽመት ምቅባሉ፡ ናይ ኣተሓሳስባ ለውጢ ክመጽእ’ዩ ኢሎም ከም ዘይኣምኑ’ዮም ንቢቢሲ ኣብ ዝሃብዎ ቃል ዝገልጹ።
ሓደ ኣብ ዕድመ ሰላሳታት ዝርከብ መንእሰይ ተቐማጢ ቴህራን፡ ኣብ ውሽጢ እቲ ስርዓት፡ ንእሽቶ ናይ ለውጢ ዕድላት ውን የለን ማለት እዩ ብምባል፡ ንምሻም ሞጅታባ ካመኒ ዘለዎ ተቃውሞኡ ዘስምዐ ኮይኑ፡ 88 ኣባላት ዝሓቘፈ ባይቶ ሊቃውንቲ ኢራን፡ ካብ ኣያቱላህ ዓሊ ኻመኒ ዝተፈልየ ሰብ ክመርጽ ዘይምካኣሉ፡ ስርዓተ ለውጢ ከምዝፈሸለ’ዩ ዝገልጽ።
በዚ መሰረት ኵሉ ነገር ከም ቀደሙ ክቕጽል’ዩ፡ ሓድሽ መራሒ ሞጅታባ ካመኒ ንምድጋፍ ውን ጭርሖታቶም ምቕያር ኣየድልዮምን’ዩ ክብል ንደገፍቲ ካሚኒ ወሲኹ ዝነቐፈ ኮይኑ፡ ኢራን ሓድሽ ሓሳብ የድልያ ምንባሩ’ዩ ኣብ ሓሳቡ ዝሙጉት።
ኣብ ዝሓለፈ ብርክት ዝበሉ ዓመታት፡ ወዱ ንኣያቱላህ ኣሌ ካሚኒ ዝኮነ ሞጅታባ ኻመኒ፡ ኣብ ፖለቲካ ኢራን ልዑል ናይ ድሕሪ መጋረጃ ጽልዋ ከም ዝነበሮ ዝግለጽ ኮይኑ፡ ብምሕደራ ወላዲኡ ዝተማረሩ ብርክት ዝበሉ ኢራናውያን፡ ንኣክራሪ ፖሊስታት ወላዲኡ ክቅይሮ ይክእል’ዩ ዝብል ተስፋ ከምዘይብሎም’ዮም ዝገልጹ።