ኢራን ከተካይዶ ዝጸንሐት ናይ ግብረመልሲ መጥቃዕቲ ሚሳይላት፡ ብልዕሊ 90% ከምዝነከየ ላዕለዋይ ኣዛዚ ሰራዊት ኣመሪካ ገሊጹ።
ኣቦመንበር ሓለቓ-ስታፍ ሰራዊት ኣመሪካ ዝኮነ ጀነራል ዳን ኬን ኣብ መግለጺኡ፡ ብዘይካ’ቲ ናይ ሚሳይላት መጥቃዕቲ ንሓደ ዙር መጥቃዕቲ ዝውንጨፋ ሰብ-ኣልቦ ነፈርቲ ኢራን’ውን እናወሓዳ ይኸዳ ምህላወን ዝጠቀሰ ኮይኑ፡ ሓፈሻዊ ናይ ግብረመልሲ መጥቃዕቲ ኢራን ብልዕሊ 90% ጎዲሉ ምህላዉ’ዩ ከረድእ ዝፍትን።
ናይ ባለስቲክ ሚሳያል መጥቃዕቲ ብልዕሊ 90% ናይ ድሮናት ስርሒት ውን ብልዕሊ 83% ጎዲሉ ምህላዉ ዝገለጸ እቲ በዓል ስልጣን፡ ኣብ ልዕሊ ሓይሊ ባሕሪ ኢራን ከቢድ ጉድኣት ወሪዱ ምህላዉን፡ ዛጊት ልዕሊ 50 መራኽብ ኲናት ከምዘዕነዉን ውን’ዩ ወሲኹ ዝጠቅስ።
ላዕለዋይ ኣዛዚ ሰራዊት ኣመሪካ ዳን ኬን ኣስዒቡ፡ ንስድራቤት ኣመሪካውያን ሰማእታት ሓዘንኩም ሓዘንና እዩ ክብሎም ይፈቱ ዝበለ ኮይኑ፡ ኣብ’ቲ ኣብ ፐንታጐን ዝተዳለወ ጋዜጣዊ መግለጺ ዝተሳተፈ ሚኒስተር ኲናት ፒት ሄግሰት ብወገኑ፡ ኣብ’ቲ ስርሒት ዝሳተፉ ዘለዉ ሓይልታት ኣመሪካን እስራኤልን “ወሳኒ ዓወት ይጓናጸፉ” ከምዘለዉ ገሊጹ።
ዕላማታት ናይ’ቲ ዝካየድ ዘሎ ኲናት ከምዘይተቐየረ ወሲኩ ዝገለጸ እቲ ሚኒስተር ኲናት፡ ምዕናው ትሕዝቶ ሚሳይላት፡ ስርዓተ-ምውንጫፍ ሚሳይላት፡ ኢንዱስትሪ ምክልኻልን ምዕናው ሓይሊ ባሕርን ዕላማ ናይ’ቲ ኲባት ምኳን ድሕሪ ምግላጹ፡ ኢራን ንሓዋሩ ኑክሌራዊ ኣጽዋር ከምዘይትውንን ምግባር እቲ ዝዓበየ ዕላማ ምኳኑ ብምጥቃስ፡ ሓድሽ መራሒ ኢራን ሙጅታባ ኻመኒ፡ ኑክሌራዊ ኣጽዋር ንምውናን ከይሓስብ ብዶናልድ ትራምፕ ዝተዋህቦ መተሓሳሰቢ ክቕበል ከምዘለዎ’ዩ ተማሕጺኑ ዝርከብ።
እዚ ከም’ዚ ኢሉ እንከሎ፡ ምስ ኢራን ኣብ ዝግበር ዘሎ ኲናት ናይ ዝተቐትሉ ወተሃደራት ኣመሪካ ቁጽሪ ሸውዓተ ምብጽሑ ተገሊጹ።
ኣቀዲሞም ዝሞቱ 6 ወተሃደራት ኣመሪካ፡ ትራምፕ ኣብ ዝተረከበሉ ኣጋጣሚ ናይ ክብሪ ፈነዋ ከምዝተገብረሎም ዝፍለጥ ኮይኑ፡ብመሰረት ሓበሬታ ክፍሊ ምክልኻል ኣመሪካ፡ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ስዑዲ ዓረብ ኣብ ዝተኻየደ መጥቃዕቲ ዝቖሰለ ኣመሪካዊ ወተሃደር መበል ሻውዓይ ስዉእ ኮይኑ ከምዝሓለፈ’ዩ ተገሊጹ ዝርከብ።
እቲ ወዲ 26 ዓመት ምኳኑ ዝተገልጸ ሰርጀንት በንጃሚን ኤን ዝተባህለ ወተሃደር፡ ኣብ መዓስከር ሓይሊ ኣየር ልኡል ሱልጣን ከምዝቆሰለ ዝተገልጸ ኮይኑ፡ ካልእ መበል ሻምናይ ስዉእ ወተሃደር’ውን ኣብ ኲዌት ምስ ውግእ ብዘይተሓሓዝ ምኽንያት ከምዝሞተ’ዩ ዝሕበር።
ቅድሚ ሓደ ሰሙን 6 ወተሃደራት ኣመሪካ፡ ኣብ ወደብ ሹዓይባ (ኩዌት) ኣብ ዝርከብ መአዘዚ ማእከል ከምዝተቐትሉ ይዝከር ኮይኑ፡ ሬሳ ናይቶም ወተሃደራት ናብ’ቲ ልሙድ ኣብ ክፍለሃገር ደላዌር ዝርከብ መዓርፎ ነፈርቲ ዶቨር ምስኣተወ ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ዝርከቦም ሰበስልጣንን ቤተሰቦምን ኣብ’ቲ ስነስርዓት ምቕባል ተረኺቦም ምንባሮም ውን ዝዝከር እዩ።