ዓበይቲ ናይ ጽዕነት ወተሃደራውያን ነፈርቲ ኲናት ኣመሪካ፡ ኣብ’ዚ ቀረባ እዋን ኣብ ደቡባዊ-ምዕራብ ዓዲ-እንግሊዝ ኣብ ዝርከብ መዓስከር ሓይሊ ኣየር ብሪጣንያ፡ ጽዑቕ ምንቅስቓሳት የካይዳ ምህላወን ተገሊጹ።
እቲ ግሎቸስተር ኣብ ዝበሃል ከባቢ ዝርከብ ወተሃደራዊ መዓስከር፡ ኣመሪካ ትጥቀመሉ መዓስከር ምኳኑ ዝተገልጸ ኮይኑ፡ ቢ-1፡ ቢ-52 ከምኡ’ውን ቢ-2 ንዝተባህላ ዓበይቲ ወተሃደራውያን ነፈርቲ ከአንግዱ ካብ ዝኽእሉ ሒደት መዓርፎ ነፈርቲ ኣውሮጳ ሓደ ምዃኑ’ዩ ዝንገር።
ኣመሪካን-እስራኤልን ምስ ኢራን ናብ ሓድሽ ኲናት ድሕሪ ምእታወን፡ ፍሉያት ነፈርቲ ኣመሪካ ናብቲ መዓስከር ክኣትዋ ጀሚረን ምህላወን ውን ኣቀዲሙ ዝተገልጸ ኮይኑ፡ ቢ-52 ተባሂለን ዝፍለጣ ስትራተጂካውያን ናይ ውግእ ነፈርቲ ገለ ካብተን ብብዝሒ ናብ’ቲ ዝንቀሳቀሳ ነፈርቲ ምኳነን እዩ ዝንገር።
ቢ-52 ኣካል ስትራተጂክ እዝ ኣመሪካ ምኳነን ዝንገረለን ዓርሞሸሽ ነፈርቲ ውግእ ሰራዊት ኣመሪካ ኮይነን፡ 31,751 ኪሎ-ግራም ዝበጽሕ ኑክሌራዊን ኣጽዋርን ካልእ ተተኳስን ክጽዕና ከምዝኽእላ ውን’ዩ እቲ ሓበሬታ ወሲኩ ዘረድእ።
ኣብ ዝሓለፈ ልዕሊ 72 ሰዓታት ጥራይ ሰለስተ ተወሰኽቲ ቢ-52 ነፈርቲ ናብ ብሪጣንያ ኣትየን ምህላወን ወሲኹ ዘረደአ እቲ ሓበሬታ፡ መንግስቲ ዓባይ ብሪጣንያ ኣብ’ቲ ኲናት ብቐጥታ ከምዘይሳተፍ እኳ እንተፍለጠ፡ ኣብ ወተሃደራዊ መዓስከራቱ ንምክልኻል ዝዓለመ ምንቅስቓስ ነፈርቲ ኣመሪካ ክካየድ ድሕሪ ምፍቃዱ ግን፡ እተን ብቢ-52 ዝፍለጣ ነፈርቲ ክኣትዋ ጀሚረን ምህላወን’ዩ ወሲኹ ዘረድእ።
ቢ-52 ኣብ 1950ታት ዝተሰርሓ ኮይነን፡ ኣብ ከም ቬትናም፡ ዒራቕ፡ ከምኡ’ውን ኣፍጋኒስታን ኣብ ዝነበረ ኲናት ዝተሳተፋ፡ 49 ሜትሮ ቁመት ዝውንና፡ 2,414 ኪሜ ክውንጨፍ ዝኽእል ሚሳይላት ዝዓጥቃን ነፈርቲ’የን።
እተን ነፍሲ ወከፈን ብሓሙሽተ ኣብረርቲ ዝምራሓ ገዘፍቲ ነፈርቲ፡ ኣብ ታሪኽ ሰራዊት ኣመሪካ እተን ዝነውሐ ዕድመ ዘለወን ነፈርቲ ውግእ ኮይነን፡ ፈለማ ኣብ 1952 ናብ ሰማያት ምስ በረራ ክሳብ ለይቲ ሎሚ ኣብ ኣገልግሎት ምህላወን ዝፍለጥ እዩ።