ፕረዚደንት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕ፡ ኲናት ኢራን ኣብ’ዚ ቀረባ ግዜ ክዛዘም ምኳኑ ድሕሪ ምግላጹ፡ ዋጋ ነዳዲ ዓለም ከምዝቀነሰ ተገሊጹ።
ድሕሪ ምውላዕ ኲናት ኢራን ኣመሪካን እስራኤልን፡ ዋጋ ነዳዲ ኣብ ውሽጢ ሓጺር ግዜ ዕጽፍታት በሪኩ፡ ኣብ ዋጋ ሓደ በርሚር ዘይተጻረየ ነዳዲ ጥራሕ ናይ 50 ዶላር ወሰኽ ኣርእዩ ምጽንሑ ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ፕረዚደንት ትራምፕ እቲ ኩነታት ኣብ ሓጺር ግዜ ክዛዘም ምኳኑ ድሕሪ ምግላጹ ግን፡ ኣብ’ዚ ሕጂ ሰዓት ሩኡይ ምንቁልቋል ዋጋ የሪኢ ምህላዉ’ዩ ዝንገር።
ዋጋ ሓደ በርሚል ዘይተጻረየ ብሬንት ብኣስታት 8.5% ወሪዱ፡ ካብ 120 ዶላር ናብ 92.50 ዶላር ይሽየጥ ምህላዉ ዝተገልጸ ኮይኑ፡ ኣብ ኣመሪካ እውን ብኣስታት 9% ኣንቆልቊሉ፡ ንሓደ በርሚል 88.60 ዶላር በጺሑ ምህላዉ’ዩ ዝንገር።
ዝረአ ዘሎ ለውጢ ዋጋታት ንዓለማዊ ስርዓት ቁጠባ ዓቢ ተስፋ ዝህብ እኳ እንተኮነ፡ እቲ ዋጋታት ካብ’ቲ ኣብ ምጅማር እቲ ግጭት ዝነበሮ ዋጋ ብኣስታት 30% ዝዛይድ ብምኳኑ ግን፡ ኣብ ቁጠባዊ ንጥፈታት ዘይነዓቅ ኣሉታዊ ተጽዕኖ ፈጢሩ ምህላዉ’ዩ ተገሊጹ ዝርከብ።
እዚ ምንቍልቋል እዚ፡ ፕረዚደንት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕ ትማሊ ሰኑይ 9 መጋቢት 2026፡ ግጭት ኢራን ኣብ ቀረባ እዋን ከብቅዕ ምዃኑ ድሕሪ ምግላጹ ዝሰዓበ ኮይኑ፡ ዋጋታት ነዳዲ ድሕሪ ናይ ሓደ ሰሙን ቀውሲ ለውጢ ምግባሩ፡ ንብዙሓት ሃገራት ዓለም ተስፋ ፈጢኡ ምህላዉ’ዮም ተንተንቲ ቁጠባ ዝገልጹ።
ምስ’ዚ ብዝተኣሳሰር ዜና፡ ፕረዚደንት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕ፡ ኢራን ቀንዲ ዓለምለኻዊ መተሓላልፎ ነዳድን ጋዝን ኣብ ልዕሊ ዝዀነ መጻብቦ ሆርሙዝ ዝዀነ ይኩን ዕንቅፋት ከይትገብር ብትሪ ኣጠንቂቑ።
ትራምፕ ኣብ መግለጺኡ፡ ኢራን ኣብ ውሽጢ መጻብቦ ሆርሙዝ ንዝካየድ ጕዕዞ ናይ ነዳዲ መራኽብ ደው ዘብል ነገር እንተ ገይራ፡ ካብ’ቲ ኣቀዲሙ ዝወረዳ መጥቃዕቲ ብዕስራ ሕጽፊ ዝዓቢ መጥቃዕቲ ካብ ኣመሪካ ክወርዳ ከምዝኮነ ዘጠንቀቐ ኮይኑ፡ እዚ ንከይስዕብ ኢራን ንንግዳዊ ንጥፈታት እቲ መጻብቦ ካብ ምዕንቃፍ ክትቁጠብ ከምዘለዋ’ዩ ዝገልጽ።
ኣስታት 20% ካብ ጠቅላላ ንግዲ ነዳዲ ዓለም፡ ኢራን ብእትውንኖ መጻብቦ ኣቢሉ ዝሓልፍ ኰይኑ፡ እቲ ኣብ ማእከላይ ምብራቅ ዝተወለዐ ኲናት፡ ጕዕዞ ባሕሪ ኣዝዩ ክንክይን ኣብ ምንቅስቃስ መራኽብ ዓቢ ተጽዕኖ ክፈጥርን ብምጽንሑ፡ ዋጋ ነዳዲ ክዓቢን ሰማይ ክስቀልን ድርኺት ፈጢሩ ምጽንሑ’ዩ ዝንገር።
ትራምፕ ኣብ ዝሃቦ መጠንቀቅታ፡ ኣመሪካ ብቐሊሉ ክዓንዉ ዝኽእሉ ዕላማታት ብምውጋድ፡ ኢራን ከም ሃገር ዳግማይ ክትህነጽ ፈጺማ ኣብ ዘይትክእለሉ ኩነታት ዘውድቃ መጥቃዕቲ ክፍጽም ምኳኑ ዝጠቀሰ ኮይኑ፡ ከቢድ ቁጥዐ ኣብ ልዕሊ ኢራን ክወርፍ ከምዝክእልን፡ ከሙኡ ንከይከውን ውን ከምዝጽልን’ዩ ጠቂሱ ዝርከብ።