ብዉሁድ መጥቃዕቲ እስራኤልን ኣመሪካን ንዝተቀንጸለ ወላዲኡ ብምትካእ፡ ሓድሽ ኣያቶላህ እስላማዊት ሪፓብሊክ ኢራን ኮይኑ ዝተመርጸ ሞጅታባ ኻመኒ፡ ንመንበር ስልጣን ወላዲኡ ተረኪቡ ኣብ ዝሃቦ ናይ ፈለማ መግለጺኡ፡ መትረብ ሕርሙዝ ክኽፈት ከምዘይኮነ ገሊጹ።
ኣብ’ቲ ኣብ መንግስታዊት ተለቪዥን ኢራን ዝተነበበ ቀጥታዊ መግለጺ፡ ሕነ ናይቶም ብመጥቃዕቲ ኣመሪካን እስራኤልን ዝተቐትሉ ዜጋታቱ ክፍደ ምዃኑ ዘጠንቀቀ እቲ ሓድሽ መራሒ፡ እቲ ንሱ ዝመርሖ ሓድሽ መንግስቲ ሕነ ዝፈሰሰ ደም ኢራናውያን ካብ ምፍዳይ ዓዲ ከምዘይውዕል እዩ ኣጠንቂቑ ዝርከብ።
መጠንቀቕታ ሞጅታባ ኻመኒ፡ ነቲ 110 ተመሃሮ ቆልዑ ዝርከቡዎም 168 ሰባት ዝቐተለ፡ ኣብ ልዕሊ ሓደ ቤትምህርቲ ዝተኻየደ መጥቃዕቲ ዝምልከት ምዃኑ ዝጠቀሰ እቲ መግለጺ፡ ኢራን ነዚ ደም ንጹሃን ዜጋታት ዘፍሰሰ ስርሒት ግብረመልሲ ከይሃበትሉ ደው ዝብል ኲናት ከምዘይህሉ’ዩ ኣነጺሩ ዝርከብ።
ኢራን፡ እቲ ቤት ትምህርቲ ኣብ እዋን ምውላዕ እቲ ኲናት ብሚሳይል ኣመሪካ ከምዝተሃርመ ክትገልጽ እንከላ፡ ኣመሪካ ብወገና ነቲ ኩነታት ንምጽራይ መርመራ ተካይድ ከምዘላ፡ ሚኒስተር ኲናት ኣመሪካ ፒት ሄግሰት ኣፍሊጡ ምንባሩ ውን ዝዝከር’ዩ።
ጎረባብቲ ኢራን ምስ ዝኾና ሃገራት ወሽመጥ፡ ናይ “ምሕዝነት” ፖሊሲ ከምዝክተል ዝገለጸ ሞጅታባ ካሚኒ፡ ካብ መጥቃዕቲ ክድሕና እንተኾይነን ወተሃደራዊ መዓስከራት ኣመሪካ ክዓጽዋ ከምዘለወን ዘነጸረ ኮይኑ፡ ከም ግብረመልሲ ናይ’ቲ ዝቕጽል ዘሎ መጠነ-ሰፊሕ መጥቃዕቲ እውን፡ ነቲ ዳርጋ ምሉእ ብምሉእ ተረጊጡ ዘሎ መጻብቦ ሕርሙዝ ከምዘይትኸፍቶ ኢዩ ገሊጹ ዝርከብ።
ኢራን፡ ብሰንኪ’ቲ ስጉምቲ ዋጋ ዘይተጻረየ ነዳዲ ንበርሚል ናብ ኣስታት 200 ዶላር ክዓርግ ከምዝኽእል፡ከተጠንቅቕ ምቅናያ ዝፍለጥ ኮይኑ፡
ኣብ ዝሓለፈ ውሑዳት ሰዓታት ጥራሕ ኣብ መላእ ኤስያ ዋጋ ነዳዲ ብ9% ወሰኽ ብምርአይ ንሓደ ዘይተጻረየ በርሚል 100 ዶላር በጺሑ ከምዘሎ እዩ ዝንገር።
ሃብታማት ሃገራት ጉጅለ-7፡ ነቲ ተከሲቱ ዘሎ ቅልውላው ንምቁጽጻር፡ ካብ “ስትራተጂካዊ መኽዘን” ኣስታት 400 ሚልዮን በርሚል ነዳዲ፡ ናብ ዕዳጋ ከፍስሳ’ኳ እንተ ተሰማምዓ፡ ነቲ በብሰዓቱ ዝውስኽ ዘሎ ናህሪ ዋጋ ነዳዲ ግን፡ ክዓግቶ ከምዘይከኣለ’ዩ ዝእመን።