ንዝሓለፈ ልዕሊ 15 ዓመታት ብጉጅለ ህግደፍ ተጨውዩ ዝጸንሐ ፍሉጥ ካርቱኒስታን መምህር ብንያም ሶሎሞን፡ ካብ’ቲ ተጨውይሉ ዝነበረ ሸላ ከምዝተፈትሐን ናብ ስድራቤቱ ከምዝተሓወሰን ቤተሰቡን ፈለጥቱን ኣረጋጊጾም።
‘ኮብራ’ ብዝብል መጸውዒ ሳጓ ዝፍለጥ ስነጥበባዊ መምህር ብንያም ሶሎሞን፡ ጋዜጣታት ብሕቲ ዓንቢበናሉ ካብ ዝነበራ ናይ 90ታት ግዜ ኣትሒዙ፡ ንእዋናዊ ዛዕባታት ፖለቲካን ማሕበራዊ ህይወትን ዝትንክፍ፡ ነቃፍን ኣዛናይን ትሕስቶ ዘለዎም ብርክት ዝበሉ ካርቱናት ኣብ ምፍራይ ምንባሩ ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ቅድሚ 15 ዓመታት ሃንደበት ብጉጅለ ህግደፍ ተጨውዩ፡ ክሳብ ለይቲ ሎሚ ድሃይ ኣትፊኡ ድሕሪ ምጽናሕ ከምዝተፈትሐ’ዩ ዝረከብናዮ ሓበሬታ ዘረድእ።
ንስርሓቱ ብደረጃ መጻሕፍቲ ጠርኒፉ ዘሕተመ መምህር ብንያም፡ ፈለማ ኣብተን ኣብ’ቲ እዋን ህቡባት ዝነበራ፡ ከም ሰቲት፡ ጽጌናይ፡ ቀስተደበና፡ መቓልሕ፡ ዘመን፡ ኣድማስ… ዝኣመሰላ ፍሉጣት ጋዜጣታት ብሕቲ፡ ካርቱናቱ ከሕትም ድሕሪ ምጽናሕ፡ ኣብ’ታ ናብ ጉጅለ ህግደፍ ቅርበት ከም ዝነበራ እትፍለጥ ‘ትርግታ’ ዝተባህለት ጋዜጣ ምጽንባሩ ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ኣብ’ቲ እዋን ኣብ ማሕበር መንእሰያትን ተምሃሮን ከም ኣዳላዊ ካርቱን ብምኳን ይዓዪ ምንባሩ’ዮም ፈለጥቱ ዝዛረቡ።
ግዳይ ጉጅለ ህግደፍ ስነጥበባዊ መምህር ብንያም፡ ብዘይካ ስነጥበባዊ ሞያኡ፡ ኣብ ቤት ትምህርቲ ካልኣይ ደረጃ ደብረጽዮን ቅድስቲ ማርያም ኣስመራ እውን፡ ኣብ ዓውደ ትምህርቲ ፊዚክስ ኣዝዩ ንፉዕ መምህር ከም ዝነበረን፡ ‘ረቂቕነት ገዛኢ እዩ’ እትብል መጽሓፍ ውን ከም ዘሕተመን ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ጉጅለ ህግደፍ ኣካል ናይ’ቲ ድምጺ ዜጋታት ንምዕባስ ዝገብሮ ምንቅስቃሳት፡ ካብ ቅድሚ 15 ዓመታት ኣትሒዙ ሰዊርዎ ምንጽሑ’ዩ ዝንገር።
‘ኮብራ’፡ “ኣዝዩ ተዛራብን ተጫራቕን” በዓል ሞያ ምንባሩ ብናይ ቀረባ ፈለጥቱን መሳርሕቱን ዝግለጽ ኮይኑ፡ ምኽንያት መእሰሪኡን ኣበይ ተኣሲሩ ከም ዝነበረን ንጹር እኳ እንተዘይኮነ፡ ጉጅለ ህግደፍ ንስነጥበባዊ ስርሓቱ ከም ስጋኣት ብምጥማት ሰዊርዎ ምጽንሑ ግን ዘካትዕ ኣይኮነን።
ስነጥበባዊ መምህር ብንያም ድሕሪ ምፍትሑ ኣብ’ቲ ብወንጀል መርመራ ዝፍለጥን፡ ኣብ ማእከል ከተማ ኣስመራ ዝርከብን ቤት ማሕቡስ 2ይ መደበር፡ ከምዝነበረ መቅርቡ ዝገለጹ ኮይኖም፡ እዚ ኣብ ልዕሊ ሓደ ብንእሽቶ ወረቀት ሓሳቡ ዝገልጽ ስነጥበባዊ ዝተፈጸመ ናይ ልዕሊ 15 ዓመታት ጭውያ፡ ህግደፍ ክሳብ ክንደይ ረዓዲ ጉጅለ ምኳኑ ዝምስክር’ዩ።
ስነጥበባዊ መምህር ብንያም ኮብራ ኣብ ዝሓለፈ 15 ዓመታት ማእሰርቱ፡ ብሕጋዊ መንገዲ ክሲ ተመስሪቱሉ፡ ነብሱ ናይ ምክልኻል መሰል ተሓልዩሉ ክከራኸርን ክፍረድን ዘሕለፎ ዝዀነ ይዅን ሕጋዊ መስርሕ ከም ዘይነበረ’ውን፡ እቲ ዝተረኽበ ሓበሬታ ወሲኹ ዘረደአ ኮይኑ፡ እቲ ኣብ ልዕሊ ብንያም ዝተወስደ ናይ ጭውያ ስጉምቲ፡ ከም ኩሎም ጸለውቲ ጭውያት ኤርትራ ካብ ራዕዲ እቲ ጉጅለ ዝነቅል ምኳኑ ጥራሕ’ዩ ዝንገር።
ስነጥበባዊ መምህር ብንያም ኮብራ ኣብ ዝሓለፈ 15 ናይ ጭውያ ዓመታቱ፡ መሰል እሱር ተሓልዩሉ ምስ ስድራኡ ንክራኸብ ውን ፍቃድ ከምዘይነበሮ ዝተገልጸ ኮይኑ፡ ሓሓሊፉ ግን ብስቱር ንሕክምና ናብ ሆስፒታል ሓሊበት ይወጽእ ከም ዝነበረ እዩ እቲ ሓበሬታ ወሲኹ ዘረድእ።
ቤት ማእሰርቲ ወንጀል መርመራ፡ ቍጽሮም ብወግዒ ዘይፍለጥ ኣዝዮም ብዙሓት ናይ ፖለቲካን ሕልናን እሱራት ዝሓዘ፡ ሓደ ካብቶም ኣዝዩ ኣስካሕካሒ ገበን ግህሰት ሰባኣዊ መሰላት ዝፍጸመሉ መዳጐኒ ማእከል ኮይኑ፡ ጉጅለ ህግደፍ ብራዕዲ ዝጨወዮም ኣማኢት ዜጋታት ኤርትራ ሒዙ ምህላዉ እውን ዝፍለጥ እዩ።
ኣብ’ዚ መዳጐኒ ማእከል እዚ፡ ዓበይቲ ስበስልጣን መንግስቲ፡ ኣዘዝቲ ሰራዊት፡ ገዳይም ተጋደልቲ፡ መራሕቲ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት፡ ምሁራት፡ ስነጥበበኛታትን ደቂ ኣንስትዮን፡ ን10ታት ዓመታት ተኣሲሮም ከም ዘለዉን፡ ከቢድ ሰባኣዊ ግህሰት ይወርዶም ምህላዉን ብዝተፈላለየ ትካላት ሰብኣዊ መሰላት ክሲታት ክቐርብ ጸኒሑ እዩ።