ሚኒስትር ጒዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ማርኮ ሩቢዮ፡ ምስ ቀዳማይ ሚኒስትር ኢትዮጵያ ዶክተር ዓቢይ ኣሕመድ ከም ዝተዘራረቡ ብመንገዲ ቤት ጽሕፈቱ ኣቢሉ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ጠቂሱ።
ሚኒስትር ጒዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ማርኮ ሩቢዮ፡ ምስ ቀዳማይ ሚኒስትር ኢትዮጵያ ዶ/ር ኣቢይ ኣሕመድ ዓሊ ኣብ ኣብ ዝገበሮ ዘተ፡ ክልቲአን ሃገራት ኣብ ዞባዊ ምርግጋእን፡ ምምካት ግብረ-ሽበራን ንዘለወን ሓባራዊ መርገጺ ከሐይላን ምትሕብባርን ከመሓይሻን ከምዝተመያየጡ ዝተጠቅሰ ኮይኑ፡ ምስ’ቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣወንታዊ ዘተ ከምዘካየደ’ዩ ወሲኹ ዝገልጽ።
እቲ ብመንገዲ ወሃቢ ቃል ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ኣቢሉ ዝወጸ ሓጺር መግለጺ፡ ክልቲኦም ላዕለዎት ሰበ-ስልጣን ኣመሪካን ኢትዮጵያን ብተወሳኺ፡ ኣብ ቁጠባዊ ምትሕብባር ከምኡ እውን ዘላቒ ድሕነት ቀርኒ ኣፍሪቃ መሰረት ብምግባር ምዝታዮም ዝጠቀሰ ኮይኑ፡ ይኹን እምበር እቲ መግለጺ ኣብ መንጎ ማርኮ ሩቢዮን ኣቢይ ኣሕመድን ዝተኻየደ ዘተ ካብ ምግላጽ ሓሊፉ፡ ዝርዝር ነጥብታት ክልቲኦም ላዕለዎት ኣካላት መንግስቲ ክገልጽ ኣይመረጸን።
ብወገን ቤት ጽሕፈት ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብይ ኣሕመድ፡ ነዚ ምስ ሚኒስትር ጒዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ማርኮ ሩቢዮ ዝተካየደ ዘተ ኣመልኪቱ ዝተዋህበ፡ ዝኮነ ይኩን ወግዓዊ መግለጺ ዘይምህላዉ ዝተፈልጠ ኮይኑ፡ ይኹን እምበር ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ካብ ምምሕዳር ዶናድል ትራምፕ ኣብ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ኲናት ከይውልዕ ዘጠንቅቅ መልእኽቲ ከምዝተቀበለ’ዩ ዝንገር።
እዚ ኣብ መንጎ ላዕለዎት ሰበ-ስልጣን ኢትዮጵያን ኣመሪካን ዝተገብረ ዘተ፡ ኣመሪካ ምስ እስራኤል ብምዃን፡ ኣብ ልዕሊ ኢራን እተካይዶ ዘላ ኲናት ካልኣይ ሰሙኑ ክሕዝ ሒደት መዓልታት ተሪፍዎ ኣብ ዘሎ ግዜ ኮይኑ፡ ናይ ሕጂ ርክብ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ማርክ ሮብዮን፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድን፡ ኣብ ውሽጢ እዚ ዓመት ንካልኣይ ግዜ ዝተገብረ ምኳኑ’ዩ ዝንገር።
ቅድሚ ሕጂ ብተመሳሳሊ ኣብ ወርሒ ሕዳር ውን ዘተ ኣካይዶም ምንባሮም ዝዝከር ኮይኑ፡ ኣመሪካ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ንዝንቀሳቐስ ጉጅለ ኣል-ሸባብ ንምቁጽጻር ምስ ኢትዮጵያ ብሓባር ናይ ምስራሕ መደባት ከምዘለዋ ውን ዝፍለጥ እዩ።
ምስ ጉዳይ ህዳሴ ግድብ ብዝተተሓሓዘ ውን፡ ፕረዚደንት ትራምፕ ኣብ መንጎ ግብጽን ኢትዮጵያን ዘሎ ምትፍናን ንምህዳእን ንምትዓራቕን፡ ድሌት ከምዘለዎም ቅድሚ ወርሒ ንፕሬዝዳንት ግብጺ ኣብ ዝጸሓፍዎ ደብዳቤ ገሊጹ ምንባሩ ዝዝከር ኮይኑ፡ ይኹን እምበር ዛጊት ክሳብ ለይቲ ሎሚ ዝተጀመረ ተግባራዊ ምንቅስቃስ ከምዘየለ እዩ ዝንገር።
ብሰልፊ ብልጽግና ዝምራሕ መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ኣብ’ዚ ሕጂ ሰዓት ምስ ትግራይ ኤርትራ ሱዳንን ሶማልን ኣብ ምትፍናን ኣትዩ፡ ኲናት ኣንጸላልዩ ምህላዉ ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ኣመሪካ መስመር ቀይሕ ባሕሪ ንምርግጋእ፡ ኣብ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዝኮነ ይኩን ግጭት ክውላዕ ድላይ ከምዘይብላ ከተጠንቅቅ ምጽንሓ ዝፍለጥ’ዩ።