ፕሬዝዳንት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕ፡ ሃገሩ ኣመሪካ ምስ እስራኤል ብምዃን ኣንጻር ኢራን ንእተካይዶ ዘላ ኵናት ኣመልኪቱ፡ ምስ ፎክስ ኒውስ ዝተባህለ መደበር ቴሌቪዥን ኣብ ዘካየዶ ቃለ-መሕትት፡ ኲናት ደው ዝብል ርግጸኛ ምስ ኮንኩ ጥራሕ እዪ ክብል ገሊጹ።
ትራምፕ ኣብ ናይ ቅድሚ ትማሊ ቃለመሕተቱ፡ ምስ ኢራን ዝግበር ዘሎ ኵናት መዓስ ከም ዝውዳእ ንዝቀረበሉ ሕቶ እንክምልስ፡ ኣነ ይኣክል እዩ ኢለ ክሓስብ ምስ ጀመርኩን፡ ርግጸኛ ምስ ዝኸውንን ጥራሕ እዩ ክብል ዝመለሰ ኮይኑ፡ እቲ ኲናት ብድላይ ኣመሪካ እስራኤልን ጥራሕ መዕለቢ ከምዝረክብ’ዩ ገሊጹ ዝርከብ።
ኣስዒቡ ኣብ ልዕሊ ሓድሽ ላዕለዋይ መራሒ ኢራን ንዘጋጠመ ሓደጋ ሞቅሰልቲ ኣመልኪቱ ዝመለሰ ትራምፕ፡ እቲ ሓድሽ መራሒ ብመጥቃዕቲ ነፈርቲ ከምዝተሃርመ ይኩን እምበር ብህይወት ምህላዉ ዝገለጸ ኮይኑ፡ ክሳብ ሕጂ ሰዓት ግን ሞጅታባ ኻሜኒ ብወግዒ ናብ ህዝቢ ከምዘይቀረበ’ዩ ገሊጹ ዝርከብ።
ንስጋኣት ምንቅስቃስ መራኽብ ኣብ ወሽመጥ ሆርሙዝ ኣመልኪቱ ዝመለሰ ትራምፕ፡ ኣድላዪ እንተኮይኑ ብወሽመጥ ሆርሙዝ ዝሓልፋ ናይ ነዳዲ መጓዓዝያ መራኽብ ሓለዋ ክግበረለን እዩ ክብል ዝገለጸ ኮይኑ፡ ይኹን እምበር ነገራት ኣብ ጽቡቕ ኩነታት ብምህላዎም፡ እንታይ ከምዝስዕብ ሓቢርና ክንሪኦ ኢና ክብል’ዩ ዝገልጽ።
ስርዓት ኢራን ብኸቢድ ከምዝተወቅዐ ኣብ ቃለመሕተቱ ዝገለጸ ትራምፕ፡ ክሳብ ሕጂ ናብ ዝነበረ ስርሒት፡ እቲ ስርዓት ብኸቢድ ከምዝዓነወን፡ መሊስካ ንምህናጹ ውን ዓመታት ክወስድ ከምዝኮነን ብምጥቃስ፡ ኢራን ኢዳ ምሃባ’ዩ ከረድእ ዝፍትን።
ኣብ መደምደምታ፡ መሻርኽቲ ኣመሪካ ምስ ዝኮና ሃገራት ወሽመጥ ዓረብ ንዘሎ ዝምድና ኣመልኪቱ ቃሉ ዝሃበ ትራምፕ፡ ምስ መብዛሕትአን ሃገራት ከም ዝተዘራረበን፡ ተፈጢሩ ዘሎ ሓድነት ውን ድልዱል ምኳኑን ድሕሪ ምግላጹ፡ እተን ሃገራት ገዛእ ርእሰን ንምክልኻል ጽቡቕ ስራሕ ይሰርሓ ብምህላወን ብምጥቃስ ምስጋኑኡ ከቅርብ ተሰሚዑ።