ዕጡቅ ጉጅለ ሓማስ፡ ኢራን ኣብ ልዕሊ ጎረባብቲ ሃገራት እትገብሮ ዘላ ወተሃደራዊ መጥቃዕቲ ደው ከተብል ተላብዩ።
ሓማስ ነዚ ዝገለጸ፡ ኢራን መዓስከር ኣመሪካ ኣለወን ኣብ ልዕሊ ዝበለተን ሃገራት፡ ናይ ሚሳይልን ድሮናትን ደብዳብ ኣብ እተካይደሉ ዘላ ሰዓት ኮይኑ፡ ኢራን ኣብ ልዕሊ ሃገራት ማእከላይ ምብራቅ እተካይዶ ዘላ መጥቃዕቲ ደው ከተብል፡ ጸለውቲ ሃገራትን ኣህጉራውያን ትካላትን ውን ብተመሳሳሊ፡ እቲ ኩናት ብህጹጽ ደው ክብለሉ ዝኽእል ኣማራጺ ኣብ ምንዳይ ክሰርሑ’ዩ ዝጽውዕ።
ፍልስጤማዊ ዕጡቕ ጉጅለ ሓማስ ኣብ መግለጺኡ፡ ነቲ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ዝካየድ ዘሎ ኲናት፡ ብኸቢድ ስክፍታ ይከታተሎ ምህላዉ ዝጠቀሰ ኮይኑ፡ እቲ ተወሊዑ ዘሎ ግጭት፡ ንሰላምን ጸጥታን ዓለም ኣብ ሓደጋ ዘእቱ ኣዝዩ ሓደገኛ ግጭት ምኳኑ’ዩ ዝገልጽ።
ብልፍንታዊ ሓይሊ ኣመሪካን እስራኤልን ኣብ ልዕሊ ኢራን ዝፍጸም ዘሎ ወራር፡ ንኣህጉራዊ ሕግን ኣህጉራዊ ሰብኣዊ ሕግን ዝጥሕስ ምዃኑ፡ ኣብ’ቲ ብመንገዲ ቴሌግራም ዘውጽኦ መግለጺ ዝጠቀሰ ኮይኑ፡ ኩለን ሃገራት እቲ ዞባ፡ ተሓባቢረን ነቲ ወራር ደው ከብላ ከምዘለወን’ዩ ዘተሓሳስብ።
ኣመሪካ፡ ዓባይ ብሪጣንያ፡ እስራኤልን ካልኦት ብዙሓት ሃገራትን፡ ንዕጡቅ ጉጅለ ሓማስ ከም ግብረሽበራዊ ትካል ከምዝጥምቶኦ ዝፍለጥ ኮይኑ፡ እዚ ብመንገዲ ናይ ቴለግራም ሕሳብ እቲ ዕጡቅ ጉጅለ ዝወጸ መግለጺ፡ ን ኢራን ዘርብሕ መልእኽቲ ሒዙ ምህላዉ’ዩ ዝእመን።
ካብ ዜናታት ኢራን ከይወጻና፡ መንግስቲ ሕቡራት ኢመራት ዓረብ፡ ሰራዊት ምክልኻል እታ ሃገር፡ ናብ ግዝኣቱ ንዝተወንጨፉ ሚሳይላት ከምክን ከሎ ዘርኢ ምስልታት ዝስኣሉ 10 ዜጋታት ከምዝቀየደ ኣፍሊጡ።
ብመሰረት ሓበሬታ ማዕከን ዜና UAE፡ ብዘይካ’ቶም ምስጢራዊ ኣሳእል ዝዘርግሑ ዜጋታት፡ መጥቃዕትን ምፍንጃርን ዘርእዩ ናይ ሓሶት ምስልታት ዝዘርግሑ ሰባት’ዉን ብተመሳሳሊ። ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣትዮም ምህላዎምን ዝተገልጸ ኮይኑ፡ ኢማራት ኣራሚ ስጉምቲ ንምውሳድ ትሰርሕ ምህላዉ’ዩ ዝንገር።
እቶም ኣብ ቀይዲ ዝውዓሉ ውልቀሰባት፡ ንሓቀኛ ምስሊ እቲ መጥቃዕቲ ዝዘርግሑን፡ ሰብ ዝሰርሖ ብልሒ ኤኣይ (AI )ተጠቂሞም ዝሰንዑ ምኳኖም ዝተገልጸ ኮይኑ፡ ቅልጡፍ ፍታሕ ክወሃቦም ምኳኖም ውን እዩ ዝግለጽ።
ፖሊስ ኣቡዳቢ ብወገኑ፡ ዜጋታት ዝተፈላለያ ሃገራት ኣብታ ሃገር መጥቃዕቲ ክፍጸም እንከሎ ዘርእዩ ተንቀሳቓሲ ምስልታት ብምስኣልን፡ ናይ ሓሶት ሓበሬታ ብምዝርጋሕን ኣብ ቀይዲ ከም ዘእተወ ዝገለጸ ኮይኑ፡ ብመሰረት ክብደት ዝፈጸምዎ በደላት ውሳነ ክወሃቦም ከምዝኮነ’ዩ ጠቂሱ ዝረከብ።