እስራኤል ንዕጡቅ ጉጅለ ሒቲ ንምህራም፡ ኣብ ሶማሊላንድ ወታደራዊ መዓስከር ክትሃንጽ እያ ተባሂሉ ክዝረብ ምቅናዩ ዝፍለጥ ኮይኑ፡ እዚ ሓበሬታ እዚ መሰረት ዘይብሉ ውጹእ ሓሶት እዩ ዝበለት ሶማሊላንድ፡ ቕቡልነት ከምዘይብሉ ኣፍሊጣ።
መርበብ ሓበሬታ ብሉምበርግ ኣብ 11 መጋቢት 2026 ኣብ ዘውጽኦ ጸብጻብ፡ እስራኤልን ሶማሊላንድን ናይ ጸጥታ ስምምዕ ንምፍርራም ይዝትያ ከምዘለዋን፡ እቲ ዘተ ወደብ በርበራ ንእስራኤል ምሃብ ዝብል ስምምዕ ዘጠቓልል ከምዝኮመን ምግላጹ ዝዝከር ኮይኑ፡ እቲ ሓበሬታ መሰረት ዘይብሉ ውጹእ ሓሶት ምኳኑ’ያ ሶማሊላንድ ኣብ ዝሃበቶ ግብረመልሲ እትገልጽ።
እቲ ጸብጻብ ከም ዘመልክቶ፡ እስራኤል ዕጡቅ ጉጅለ ሑቲ ንምድምሳስ፡ ኣብ ገማግም ባሕሪ ሶማሊላንድ ወታደራዊ መዓስከር ክትሃንጽ ትኽእል ዝብል ግምታዊ መግለጺ ዝሓዘ ኮይኑ፡
መራሒ ሑቲ ዓብዱል-ማሊክ ኣል-ሑቲ ብወገኑ: እስራኤል ኣብ ሶማሊላንድ ዝህልዋ ክልተኣዊ ዝምድና፡ ከም ወተሃደራዊ ዕላማ ክጥመ ከምዘይብሉ’ዩ ዝገልጽ።
ኣብ ሞንጎ ንሶማሊላንድ ከም ሃገር ኣፍልጦ ዝሃበት ቀዳመይቲ ሃገር እስራኤልን ኣብ መንጎ ሶማሊላንድን ተገይሩ ዝተባህለ ዝምድና፡ ኣብ እዋኑ መንግስቲ መቓድሾ ከምዝነጸጎ ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ፕረዚደንት ሶማል ሓሰን ሸኽ መሓሙድ ኣብ ወርሒ ጥሪ ምስ ኣል-ጀዚራ ኣብ ዝገበሮ ዘተ፡ እስራኤል ኣብ ሶማሊላንድ ወታደራዊ መዓስከር እንተሃኒጻ ንልኡላውነት ሶማል ከም ምጥሓስ እዩ ዝቁጸር ክብል ምግላጹ ኣይርሳዕን።
ብጉዳይ እስራኤል ቢቢሲ ንዘቕረበሉ ሕቶ መብርሂ ዝሃቡ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ሶማሊላንድ ዓብዲራሒም ዳሂር ኣዳም ብወገኑ፡ ምስ እስራኤል ዘለዎም ርክብ ኣብ ሓባራዊ ረብሓ ዝተመርኮሰ ምዃኑ ዝገለጸ ኮይኑ፡ ክልቲኤን ሃገራት ንሓድሕደን ኣፍልጦ ሃገርነት ስለዝተወሃሃባ፡ ዲፕሎማሲያውን ቁጠባዊን ምትእስሳር ክፈጥራ ይኽእላ እየን ድሕሪ ምባሉ፡ ወታደራዊ ምትእስሳር ግዴታ ከምዘይኮነን፡ ኣብ ስምምዕ ክልቲኤን ሃገራት እትዉ ከምዘይኮነን’ዩ ዝገልጽ።