ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ዓዲ ኢንግሊዝ ዝተራእየ ለብዒ ሕማም ኣንቅጺ፡ ክልተ ሰባት ከምዝቀተለን፡ ስክፍታ ፈጢሩ ምህላዉን ተገሊጹ።
እቲ ሕማም ፈለማ ኣብ ደቡባዊ-ምብራቕ ዓዲ-እንግሊዝ ኣብ ዝርከብ ዩኒቨርሲቲ ከንት ከምዝተራእየ ዝተገልጸ ኮይኑ፡ እቲ ካብ ሰብ ናብ ሰብ ናይ ምልባዕ ባህሪ ዘለዎ ሕማም፡ ንሓደ ተመሃራይ ናይቲ ዩኒቨርሲቲ ግዳይ ሞት ጌርዎ ምህላዉ’ዩ ዝንገር።
ዕድመ ናይቶም ግዳያት 18 ከምኡ’ውን 22 ከምዝኾነ ጸብጻባት ጥዕና እታ ሃገር ዝገለጹ ኮይኖም፡ ካብቶም በቲ ሕማም ዝተለኽፉ 15 ሰባት፡ እቶም ኣርባዕተ ‘መን-ቢ’ (MenB) ተባሂሉ ብዝፍለጥ ዓሌት ናይቲ ሕማም ከምዝተጠቅዑ’ዩ፡ ጸብጻብ ሰብመዚ ጥዕና እታ ሃገር ገሊጹ ዝርከብ።
እቲ ኩነታት ኣዝዩ ከምዘስጎኦም ዝገለጹ ሰብመዚ ጥዕና እታ ሃገር፡ ንገለ ካብቶም ተመሃሮ ክታበት ናይ’ቲ ሕማም ክህቡ ምዃኖም ዛኣመቱ ኮይኖም፡ ተወሳኺ ናይ ሂወት ሓደጋ እንከየስዓበ ንምቁጽጻሩ ሓያል ጻዕሪ ይካየድ ምህላዉ’ዮም ዘረዱኡ።
ኣንቅጺ ብቫይረስን ብረኽሲ ባክተሪያ (ተሃዋስያን) ዝስዕብ ምዃኑ ይፍለጥ።
ካብ 2024 ክሳብ 2025 ኣብ ዝነበረ እዋን ጥራሕ፡ በቲ ሕማም ካብ ዝተለክፉ ኣስታት 378 ሰባት እቶም 31 ከምዝሞቱ ጸብጻባት ዘመልክቱ ኮይኖም፡ ብሰንኪ’ቲ ሓድሽ ለብዒ ኣብቲ ከተማ ክግበር ዝተሓሰበ ገለ ጽንብላትን ህዝባዊ ኣኼባታትን ተሰሪዙ ምህላዉ ውን እዩ ዝንገር።
ተመሃሮ እቲ ዩኒቨርሲቲ ብወገኖም፡ ክሳብ እቲ ሕማም ኣብ ትሕቲ ምቁጽጻር ዝኣቱ ትምህርቲ ተቛሪጹ ክጸንሕ ጠለብ የቕርቡ ምህላዎም ዝጠቀሰ እቲ ሓበሬታ፡ እኩብ ሰብ ኣብ ዝነብረሉ ዩኒቨርስቲ ይረአ ብምህላዉ ስጋኣት ፈጢሩ ከምዘሎ እዩ ዝንገር።
ምልክታት ሕማም ኣንቅጺ ልዑል መጠን ረስኒ፡ ምዝሓል ኣእዳውን ኣእጋርን፡
ተምላስ፡ ዕውልውል ምባል፡ ቅልጡፍ ምስትንፋስ፡ ቃንዛ ጭዋዳታትን መላግቦን፡ ጻዕዳ ምልክት ዘለዎ ቆርበት፡ፍሮማይ፡ ቃንዛ ርእሲ፡ ምድራቕ ክሳድ፡ ድሙቕ ብርሃን ምጽላእ፡ ክቱር ድቃስን ካልእን ምኳኑ ወሲኩ ዝጠቅስ እቲ ሓበሬታ፡ ነዚ ዝመስል ስምዒታት ዝተሰሞዖ ሰብ ብቅልጡፍ ናብ ማእከል ጥዕና ክኸይድ ከምዘለዎ እዩ ዘተሓሳስብ።