ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ዶክተር ኣብይ ኣሕመድ ዓሊ፡ ኣብ ዞባ ማእኸላይ ምብራቕ ተወሊዑ ዘሎ ግጭትን፡ እናገደደ ዝኸይድ ዘሎ ምዕባለታቱን፡ ንቐረብ ነዳዲ ዓለም ዝዕንቅፍ ብምዃኑ፡ ኣከፋፈልቲ ነዳዲ፡ ወሃብቲ ኣገልግሎት መደበራትን፡ ሲቪል ተጠቀምትን፡ ንኣገደስቲ ኣገልግሎታት ቀዳምነት ክህቡን፡ ኣብ ኣጠቃቅማ ጥንቃቀ ከዘውትሩን ኣተሓሳሲቡ።
ቀዳማይ ሚኒስትር ኢትዮጵያ ኣብይ ኣሕመድ ነዚ ዝገለጸ፡ ትማሊ ሰኑይ 16 መጋቢት 2026፡ ብመንገዲ ናይ X ሕሳቡ ኣቢሉ ኣብ ዝሃቦ መተሓሳሰቢ ኮይኑ፡ ኣብ ማእኸላይ ምብራቕ እናገደደ ዝኸይድ ዘሎ ግጭት፡ ንዓለምለኻዊ ቀረብ ነዳዲ ስለዝዕንቅፍ፡ ኣብ ሃገሩ ዝርከቡ ኩሎም ኣከፋፈልቲ ነዳዲ፡ መደበራት ማሕበራዊ ኣገልግሎትን፡ ሲቪላውያን ተጠቀምትን፡ ነዳዲ ክዕቅቡን ከምዝግባእ እዩ ኣተሓሳሲቡ ዝርከብ።
እዚ ቅልውላው እዚ፡ ኪንዮ እቲ ኣብ ኣህጉራዊ ዕዳጋታት ነዳዲ ፈጢርዎ ዘሎ ነውጺ፡ ኢትዮጵያ ንእትርከበን ኣብ ነዳዲ ሃገራት ዓረብ ዝምርኮሳ ሃገራት ብከቢድ ጎዲእወን ምህላዉን፡ ብወደብ ዝኣቱ ዝነበረ መጠን ነዳዲ ውን ከምዝቀነሰን ዝጠቀሰ ኣብይ ኣሕመድ፡ ሃገሩ ብሕጽረት ነዳዲ ናብ ዝከፈአ ቀውሲ ንከይታኣቱ፡ ኩሎም ነዳዲ ዝጠልብ ስራሕ ዝዓዩ ወሃብቲ ኣገልግሎት ትካላት ሲቪል ማሕበራትን ልዑል ጥንቃቀታት ከዘውትሩ እዩ ዝመክር።
ብሰንኪ እቲ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ተፈጢሩ ዘሎ ቀውሲ፡ ነዳዲ ብምግዛእ ዝመሓደራ ሃገራት ዓለም፡ ከቢድ ናይ ቀረብ ሕጽረት የጋጠመን ምህላዉ ኣብ መግለጺኡ ዝጠቀሰ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ፡ እቲ ኩነታት መፍትሒ ክሳብ ዝርከቦ፡ ሃገሩ ኣብ’ዚ ሕጂ ሰዓት ከቢድ ጥንቃቀ ክትሕተት ምኳና እዩ፡ ኣብ’ቲ ብመንገዲ ናይ X ሕሳቡ ዘውጾኦ መግለጺ ዝጠቅስ።
ኣብ መደምደምታ፡ እቲ ጸገም ክሳብ ዝፍታሕን ስርዓት ቀረብ ነዳዲ ናብ ንቡር ክሳብ ዝምለስን፡ ነዳዲ ብጥንቃቐ ክንጥቀም ኣለና ዝበለ ኣብይ ኣሕመድ፡ ኣገደስቲ ዝበሃሉ ኣገልግሎታት ቀዳምነት ክወሃቦም ከምዘለዎ’ዩ ወሲኹ ዝገልጽ።