ፕረዚደንት ትራምፕ ነቲ ዝዓበየ መፍረዪ ነዳዲ ኢራን ዒላማ ክገብሮ ምዃኑ ኣጠንቂቑ።
ፕረዚደንት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕ ኢራን ዳግማይ ንቐጠር እንተድኣ መጥቃዕቲ እንተፈጢራ ነቲ ኣብ ዓለም ዝዓበየ መፍረዩ ነዳዲ ቴህራን ብኸቢድ ዒላማ ከምእትገብር ኣጠንቂቑ።
ንልዕሊ ክልተ ሰሙን ዝጸንሐ ኲናት ማእከላይ ምብራቕ፡ ንብረት እናዓነወ፡ ህይወት ሰባት እናቐተለ ዕንወት እናፈጠረ ይቕጽል ኣሎ።
ኢራን ኣብ ቀጠር፣ ስዑዲ ዓረብን ሕቡራት ኢማራት ዓረብን ኣብ ዝርከባ ትካላት ነዳዲ መጥቃዕቲ ሚሳይል ከምዘካየደት ኣፍሊጣ ትርከብ።
መጥቃዕቲ ቴህራን ድሕሪ’ቲ እስራኤል ኣብ ደቡባዊ ፓርስ ኣብ ዝርከብ መሳለጥያ ተፈጥሮኣዊ ጋዝ ኢራን ብሚሳይል ዘካየደቶ መጥቃዕቲ’ዩ።
ኢራን ብፍላይ ኣብ ልዕሊ’ቲ ኣብ ቀጠር ዝርከብ ዓቢ መጻረዪ ነዳዲ ራስ ላፋን ዘካየደቶ ናይ ሕነ ምፍዳይ መጥቃዕቲ ንዋሽንግተንን ዶሃን ኣቖጢዕወን’ዩ።
እቲ መጥቃዕቲ ኣብ መመስርሒ ነዳዲ ራስ ላፋን ባርዕ ዘጋጠመ ኮይኑ፡ ሰፊሕ ዕንወት ከምዘውረደ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ እታ ሃገር ሓቢሩ።
እቲ ሚኒስትሪ፡ ኢራን ንዞባዊ ምርግጋእን ጸጥታን ዓቢ ሓደጋ ከምዘስዕብን፡ ኣብ ዶሃ ንዝርከቡ ዲፕሎማሰኛታትን ወተሃደራዊ ሓለፍትን ኢራን ከምዝሰጎገት ገሊጹ።
ፕረዚደንት ትራምፕ ኣብ ዘውጽእዎ መግለጺ፡ ኣመሪካን ቀጠርን ኣብ’ቲ እስራኤል ኣብ ልዕሊ ትካል መስርሒ ጋዝ ኢራን ዘካየደቶ መጥቃዕቲ ኣፍልጦን ኢድን ከምዘይብለን ገሊጹ።
ስለዚ ኢራን ነቲ ኣብ ቀጠር ዝርከብ መመስርሒ ነዳዲ ራስ ላፋን ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ሚሳይል ምኽንያታዊ ኣይኮነን ክብል ከምዝኾነነቶ ሲኤንኤን ጸብጺቡ።
ፕረዚደንት ትራምፕ፡ ኢራን ዳግማይ ንቐጠር እንተድኣ ኣጥቂዓ፡ ኣመሪካ ነቲ ኣብ ዓለም እቲ ዝዓበየ ትካል ነዳዲ ቴህራን ኣብ ዝርከብ ሳውዝ ፓርስ፡ ቅድሚ ሕጂ ተራእዩ ብዘይፈልጥ ኣገባብ ከተዕኑ ምዃና ኣጠንቂቁ።