ኲናት ማእከላይ ምብራቕ መዓልታዊ ብቢልዮናት ዶላራት ይውድእ ኣሎ። እቲ ኲናት ኣብ መበል 19 መዓልቱ ይርከብ።
ኣመሪካን እስራኤልን ኣብ ልዕሊ ኢራን ብሓባራዊ መጥቃዕቲ ነፈርቲ ዝጀመረን ናብ ሰፊሕ ወተሃደራዊ ወፍሪ ዝተቐየረን ኲናት፡ ኣብ 21 ክፍለ ዘመን ካብ ዝካየዱ ዝለው ክቡራት ውግኣት ሓደ ኮይኑ ኣሎ።
እቲ ኲናት ካብ ዝጅምር ሓደ ወርሒ’ውን እንተኾነ፡ ቁጠባዊ ጽላሎቱ ድሮ እናተዘርግሐ፡ ንመንግስታት፡ ዕዳጋታት፡ ተጠቀምትን ዓለማዊ ቁጠባን ይጸልዎም ኣሎ።
እዚ ኩናት ብዘይካ መሰረተ ልምዓትን ሰብኣዊ ዕንወትን ኣብ ቁጠባ ሃገራት ከቢድ ጽልዋ የሕድር ኣሎ። ካብ’ቲ ከባቢ ዝረሓቑ ሰባት እውን ሳዕቤን እቲ ኲናት ኣብ’ዚ ግዜ’ዚ ኣረኻኪብሎም ኣሎ።
ዝቕባበ፡ ምቁራጽ ቀረብ ምጥፋእ ንጥፈታት ሕርሻ፡ ጉዕዞን ንግድን ድሮ ንብዙሓት ሃገራት ኣብ ወጥሪ ኣእትዩወን ይርከብ።
20 ሚእታዊት ነዳዲ ዓለም ዝመሓላለፈሉ መጻብቦ ሆርሙዝ ብሰንኪ ምዕጻው ኣብ ዓለማዊ ዋጋ ነዳዲ ልዑል ጽልዋ ይሕዲሩ ኣሎ። ነዚ ዝተፈላለያ ሃገራት ዓለም ነዳዲ ብውሑድ ክጥቀማሉን ዝሓሸ ሓድሽ ስጉምትታት ክወስዳን ዘገድድ ፍጻመ ኮይኑ ይርከብ ።
ብፍላይ ኣብ’ ቲ ኲናት ብቐጥታ ዝሳተፋ ዘለዋ ሃገራት ኣብ ልዕሊ ኣጽዋርን ሎጂስቲክስን ስርሒታት ሓይሊ ባሕርን መጥቃዕቲ ከይፍጸም ኣብ ነፍሲ ወከፍ ደቒቕ ብዙሕ ገንዘብ የውፍራ ኣለዋ።
እታ ልዕለ ሓያላን ሃገር ዓለም ዝኾነት ኣመሪካ፡ ኣብተን ቀዳሞት ሽዱሽተ መዓልታት ናይ’ቲ ኲናት ጥራይ ልዕሊ 11 ቢልዮን ዶላር ወጻኢታት ብምግባር፡ እቲ ዝበዝሐ ገንዘብ ኣብ’ዚ ኲናት ኣውጺኣ ኣላ።
ብመሰረት እቲ ብማእከል ስትራተጂካውን ኣህጉራውን መጽናዕትታት (CSIS) ዘውጽኦ መረዳእታ፡ ኣመሪካ ኣብ ዝሓለፉ 12 መዓልታት ልዕሊ 16 ቢልዮን ዶላር ወጻኢታት ከምዘካየደት ይሕብር።
ካልእ ተሳታፊት እቲ ኲናት ዝኾነት እስራኤል እውን ኣብ ልዕሊ ኢራን እትገብሮ መጥቃዕትን መጥቃዕቲ ንምክልኻልን ብዙሕ ወጻኢታት ትገብር ከምዘላ ይፍለጥ።
እቲ ኲናት ካብ ዝጅምር ንደሓር ሃገራዊ ባጀታ ዳግመ ውደባ ብምግባር ንመከላኸሊ ወጻኢታታ ሚዛን ከም ዝሃበትን እዚ ድማ ናብ 10.3 ቢልዮን ዶላር ከም ዝወሰኸን ጸብጻብ ሮይተርስ ይሕብር።
ሰብ ኣልቦ ነፈርትን ሚሳይላትን ኢራን መዓልታዊ ኣብ ልዕሊ እስራኤል ይንሳፈፋ ብምህላወን፡ መዓልታዊ ህይወት ኣብ እስራኤል ኣጸጋሚ ኮይኑ ይርከብ። ህዝቢ ከም’ቲ ዝግባእ መዓልታዊ ንጥፈታቱ ካብ ምክያድ ተቆጢቡ ኣብ መዕቆቢታት ክውዕልን ክሓድርን ይግደድ ኣሎ።
ብኻልእ ሸነኽ ኢራን ምስተን ብኻልእ ወገን ዘለዋ ሃገራት ክነጻጸር እንከሎ ወጻኢታታ ትሑት እኳ እንተኾነ፡ ኣብ ትሕተ-ቅርጻን ህዝባን ርኡይ ጉድኣት ኣጋጢምዋ ኣሎ።
ዛጊድ ልዕሊ 1300 ሰባት ክሞቱ እንከለዉ፡ 3.2 ሚልዮን ኢራናውያን ድማ ካብ መንበሪኦም ከምዝተመዛበሉ ካብ ብሉምበርግ ዝተረኸበ መረዳእታ የመልክት።
ኢራን መዓልታዊ ሰደድ 3.3 ሚልዮን በርሚል ነዳዲ ምቁራጹ’ውን ርኡይ ቁጠባዊ ዕንወት የስዕብ ከምዘሎ ብሉምበርግ ወሲኹ ይሕብር።
እቲ ኲናት ኣብተን ኣብ ውግእ ዘለዋ ሃገራት ጥራይ ዘይኮነ ኣብ ካልኦት ሃገራት እውን ሰፊሕ ቁጠባዊ ጽልዋ የሕድር ኣሎ። ኣብ መጻብቦ ሆርሙዝ ዝረአ ዘሎ ምዝንባዕ ንግዲ ኣብ ነዳዲ ልዑል ጽልዋ ጌሩ ማዕጾታት ነፍሲ ወከፍ ህዝቢ ዓለም ድማ ይኹሕኩሕ ኣሎ።
ወሰኽ ዋጋ መጓዓዝያን ኣቑሑትን ንዋጋታት ንብረት ሰማይ ይዕርጎ ኣሎ። ዋጋ ነዳዲ በዚ ናህሪ ወሰኽ እንተድኣ ቀጺሉ እቲ ኲናት ቁጠባዊ ዕብየት ሃገራት ዘዝሕሎ ጥራይ ዘይኮነ፡ ብተዘዋዋሪ መንገዲ እውን ጽልዋ ከምዘሕድር ክኢላታት ስነ-ቑጠባ ይገልጹ።
እዚ ኲናት እዚ እንተዘይተዛዚሙ ኣብ ኢንቨስትመንትን ዕብየትን ምዝሕሓል ሓዊሱ ንነዊሕ እዋን ዝጸንሕ ቁጠባዊ ሳዕቤን ከምጽእ ዘይተርፍ ምዃኑ ክኢላታት የጠንቅቑ።