ጉጅለ ህግደፍ: ኣብ ገዳማትን ቅዱስ ቦታታትን ንጽድቂ ኢሉ ዝተመጽወተ ገንዘብን ንብረትን ይምንጥል።
ጉጅለ ህግደፍ ከም መቐጸልታ ናይቲ ትካላት ሃይማኖትን ኣመንተንን ንምድኻም ዘካይዶ ዘሎ ኣረሜናዊ ተግባራት: ኣመንቲ ንጽድቂ ብመብጽዓን ሞባእን ዘወፈይዎ ገንዘብን እኽልን ይምንጥል ኣሎ።
ኣብ ዝተፈላለየ ኩርናዓት ሃገርና ተደኲኖም ዘለዉ ጥንታውያን ገዳማትን ኣብያተ ክርስትያንን መካነ ማጨሎትን ብዘለዎም ታሪኻዊ ንዋየ ቅዱሳንን ፍሉይ ክብሪታትን: ኣመንቲ ዓመታዊ ንግደትን ካልእ ኣጋጣምን ብምክያድ: ብድምቐት የብዕልዎን ይጽምብልዎን ኢዮም።
ኣብ ከምዚ ኣጋጣሚ ብነጋድያንን ብጸሎተኛታትን ንጽድቂ ንመብጽዓ ነቲ ገዳምን ቤት ጸሎትን ዝልገስ ገንዘብን እኽልን: ጉጅለ ህግደፍ ብዘይ ፍቃድን ፍታውን ኣመንትን ሓለፍትን: ክፋል ናይቲ ህያብን ምጽወታን ይዝርፍ ከምዘሎ ምንጭታትና ካብ ኤርትራ ሓቢሮም።
ብዓይኒ ፍትሒ: ኣመንቲ ብመልክዕ ሞባእን ህያብን ንገዳማትን ቅዱስ ቦታታትን ዝለገስዎ ገንዘብ ይኹን ካልእ ንብረት: ንመማዕበሊ ንመጸገኒ ንመካየዲ ስራሕ እቲ ቦታ እምበር መንግስቲ ብሕታዊ ዋንነት ዝማቆሎን ዝጫረተሉን ሞራላዊ ይኹን ሕጋዊ ሓላፍነት የብሉን።
ጉጅለ ህግደፍ: ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት ንትካላትን ንብረትን ቤት እምነታት ብምውራስን ንመራሕቲ ሃይማኖት ብዘይ ፍርዲ ንዓመታት ብምሕያርን ብዙሕ ገበናት ፈጺሙ ኢዩ። ብሰንኩ ድማ ኣመንትን መራሕትን ሃገሮምን ቅዱስ ቦታኦምን ገዲፎም ከምዝስደዱ ኮይኖም።
ትካላት ሃይማኖትን መራሕተንን: ካብ ፖለቲካን ኣእዳው መንግስትን ሓራ ኮይነን ብመሰረት ውሽጣዊ ሕጊታተን: መንፈሳዊ ኣገልግሎት ኣብ ክንዲ ዝህባ: ጉጅለ ህግደፍ ብዝመደቦም መሓውራት ስለያን ካድራትን ከም ዝጎጃጀላን ሓድነት ኣመንቲ ከምዝልሕልሕን ኮይኑ ኢዩ።
ኣብ’ዚ እዋንዚ ኣብ ስደት ዘለዉ ኣመንቲ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተ ክርስትያን ኤርትራ: ኣብ ክንዲ ብስኒት መንፈሳውን ሞራላውን ኣገልግሎት ምርካብ: ንፖለቲካዊ ሽርሒታት ጉጅለ ህግደፍ ዝተቐበሉን: ሃይማኖት ካብ ፖለቲካ ናጻ ክኸውን ይግባእ ዝበሉን ተኸፊሉን ንሓድሕዱ ተተፋኒኑን ይነብር ኣሎ።
ነቶም ንግጉይ ፖለቲካዊ መምርሒታት ጉጅለ ህግደፍ ዝነጸጉን ስሩዕ መንፈሳዊ ንጥፈታቶም ዘካይዱን መራሕቲ ሃይማኖትን ኣመንትን ብምውጋዝ: መንፈሳዊ ኣገልግሎት ንኸይረኽቡን ሬሳኦም ኣብ ኤርትራ ከይቕበርን ፍትሓት ከይግበረሎምን ኣዚዙ ኢዩ።
ከምዝፍለጥ ጉጅለ ህግደፍ: ሳልሳይ ፖትርያርክ ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተክርስትያን ኤርትራ ዝነበሩ ጳጳስ ብጹእ ኣቡነ ኣንጠንዮስ: ንጣልቃ ምእታውን ዘይሕጋዊ ኣሰራርሓን ህግደፍ ስለዝተቃወሙን ኣብ ሃይማኖቶም ስለዝጸንዑን: ካብ መዓርጎም ብምውራድን ክብሮም ብምቕንጣጥን: ን16 ዓመታት ብዘይ ፍርዲ ብምሕያን ብስቃይ ተቀቲሎም ኢዮም።