ጉጅለ ህግደፍ ኣብ 2018 ብዘይ ተሳታፍነትን ምርጫን ህዝቢ ኤርትራ ምስ ሰልፊ ብልጽግና ዝፈጸሞ ናይ ተደሚርናን ሓደ ኢናን ሰንኮፍ ውዕላት: ኣብዚ እዋንዚ ተጸሚድና ብዝብል ስም ዝካየድ ዘሎ ወደኽደኽ ዳግማይ ዋጋ ከየኽፍለና ብጥንቓቐ ከንሓስበሉ ከምዝግባእ መጠንቐቕታ ቀሪቡ።
ኤርትራውያን ደለይቲ ፍትሒ ናብ ኤሪፒኤም ኣብ ዝሰደድዎ ጽሑፍ: ህዝባዊ መሰረት ዘይብሉን ሕጋዊ መስርሕ ዘይተኸተለን ጎስጓስ ጽምዶ: ጉጅለ ህግደፍን ገለ ክፋል ህወሓትን ውልቃዊ ጽልእን ስልጣንካ ንምዕቃብን ዘንቐሎ ርክብ ስለዝኾነ ዕድመን ጥዕናን ከምዘይብሉ ኣገንዚቦም።
እቲም ደለይቲ ፍትሒ ኣስዒቦም: ኣብ መንጎ ጉጅለ ህግደፍን ሰልፊ ብልጽግናን ብቀጻሊ ነጋሪት ኩናትን ጽልእን ኣብ ዝድሰቐሉ ዘሎ እዋን ኣብ ትሕቲ ማእከላይ መንግስቲ ኢትዮጵያ እትመሓደር ክልል ትግራይ: እትፍጽሞ ግዳማዊ ርክባትን ውዕላትን ናብ ዝኸፍአ ረጽሚ ዘእቱ እምበር ነባሪ ሰላም ከምዘየምጽእ ስግኣቶም ገሊጾም።
ሰልፊ ብልጽግና ዋላኳ ልኡላውነት ኤርትራ ብሓይሊ ንምምንዛዕ ብቀጻሊ ምፍርራሕን ፈኸራን ይካይድ እንተሎ ንኣህጉራዊ ሕጊታት ዝጥሕስን ዝምዝመዝን ግብረ መልሲ ምሃብ ግን ንቡር ዲፕሎማስያዊ ኣሰራርሓ ኣይኮነን።
ገጅለ ህግደፍ ኣብ ዝወዓሎ ዘይሓድር ፖሊሲ ስለዝኽተል: ኣብ መፋርቕ ሓምለ 2018 ምስ ሰልፊ ብልጽግና ዝኸተሞ ስምምዓት: ውጽኢቱ ብህልቂትን ስንክልናን ናይ ኣሽሓት ኤርትራውያን ኢዩ ተዛዚሙ።
እዚ ኣብዚ እዋንዚ ልዕሊ 30 ዙርያ በጺሑ ዘሎ ጽምዶን ምስ ገለ ክፋል መራሕቲ ህወሓት ዝግበር ዘሎ ርክባትን ድማ ካልእ ኩናትን ምሕርፋፍ ንቡር ዝምድናን ዝዕድም ስለዝኾነ: ስልጣን ውልቀሰባት ዘርብሕን ሰላም ዝዘርግን ኢዩ።
ህዝቢታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ከም ጎረባብቲ ሃገራትን ብታሪኽ ዝተኣሳሰሩ ምዃኖምን ዘይክሓድ ስለዝኾነ: ኪኖ መራሕቲ ንውልቃዊ ስልጣኖም ክብሉ ብቀጻሊ ዝውልዕዎ ኩናትን ደም ምፍሳስን: ብምትሕግጋዝን ምክብባርን ብሰላም ክነብሩን ክምዕብሉን ጻዕሪ ናይ ክልቲኡ ወገን የድሊ።