ጉጅለ ህግደፍ፡ ኣብ ልዕሊ ኣብ ስደት ዝነብሩን ግዳይ ናይቲ ጉጅለ ኣብ ልዕሊ ዝኮኑን ደለይቲ ፍትሒ፡ ስጉምቲ ንምውሳድ ሕጋዊ መስርሕ ድሕሪ ምጅማሩ፡ ብናይ ሓሶት ዑቅባ ኣብ ኣመሪካ ክነብሩ ኣብ ልዕሊ ዝጸንሑ ዑስባት ውልቀሰባት ሕጋዊ ክሲ ተመስሪቱ፡ ጉዳዮም ናብ ኣይስ ኣምሪሑ ምህላዉ ተገሊጹ።
ከም’ዚ ዓይነት ሕጋዊ ስጉምቲ፡ ኣብ ልዕሊ ኣብ ስደት ዝነብሩ ደለይቲ ፍትሒ ከይተረፈ፡ ኣሉታዊ ጽልዋ ከሕድር ይኽእል እዩ ካብ ዝብል ስክፍታ፡ ንጉጅለ ህግደፍ ክድግፉ ኣብ ልዕሊ ዝጸንሑ ሓተቲ ዑቅባ ዝተወስደ ዝኮነ ዓይነት ስጉምቲ ብወገን ደለይቲ ፍትሒ ከምዘይጸንሐ ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ይኩን እምበር ህግደፍ ነቲ ቀይሕ መስመር ብምስጋር፡ ግዳይ ንዝኮኑ ዜጋታት ከፈራርሕ ብምጅማሩ፡ ናብ ሕጋዊ ስጉምቲ ተኣትዩ ምህላዉ እዩ እቲ ሓበሬታ ዘነጽር።
በዚ መሰረት፡ ክልተ ናይ ሓሶት ዑቅባ ብምሕታት ኣብ ኣመሪካ ክነብሩ ዝጸንሑ ዑሱባት ደገፍቲ ምልኪ፡ ጉዳዮም ብሕጊ ተታሒዙ ምህላዉ ዝተፈልጠ ኮይኑ፡ ርእሶም ወልደማርያም ዓንዶም በሽር፡
ከሙኡ ውን ራእሲ ማሕራይ “ወዲ ሰውራ” ዝተባህሉ ውልቀሰባት፡ ጉዳዮም ዳግማይ ክምርመርን ገበናቶም ክጽናዕን ምጅማሩ እዩ ዘረድእ።
ራእሲ ማሕራይ ወዲ ሰውራ፡ ካብ 2010 ጀሚሩ ብ14 ገበናት ስርቂ ተከሲሱ፡
ናብ ቤትፍርዲ ዝቀረበን፡ ንክጥረዝ ዝተፈርደን ደጋፊ ምልኪ ኮይኑ፡ ናብ ኤርትራን ብጉጅለ ህግደፍ ሕሰም ከይወርዶን ብምስጋእ ክሳብ ለይቲ ሎሚ ኣማኢት ኣሽሓት ናይ ጠበቃ ገንዘብ ብምኽፋል ኣብ ኣመሪካ ክነብር ዝጸንሐን፡ ኣብ ልዕሊ ግዳይ ጉጅለ ህግደፍ ዝኮኑ ዜጋታትና ውን ዝከሓነ ጽሊኢ ዝተሓዝለን ሰብ ኮይኑ፡ ርእሶም ወልደማርያም ዓንዶም በሽር ብወገኑ፡
ኢትዮጵያዊ ትውልዲ ተሰኪሙ፡ ልዕሊ ኤርትራዊ ኤርትራዊ ንምምሳል ዝቃለስን፡ ብጉጅለ ህግደፍ ተመሪጹ ኣብ ጽንተት ዜጋታት ኤርትራ ተዋፊሩ ምጽንሑን’ዩ ሰነዳቶም ዝምስክር።
ራእሲ ማሕራይ “ወዲ ሰውራ”፡ ኣብ’ዚ ሰዓት እዚ ውን እንተኮነ ቀንዲ ባርያ ህግደፍ ብምኳን፡ ወጽዓን መከራን ህዝብና ኣብ ምንዋሕን ዝሰርሕ ሰብ ብምኳን ይንቀሳቀስ ምህላዉ ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ንደለይቲ ፍትሒ ከም ተመን ጨፍጭፍዎም፡ስድራ ተቓወምቲ ክጸንቱ ኣለዎም እንዳበለ፡ ኣብ ልዕሊ ዜጋታትና ዛኣወጆ ናይ ጽንተት ቃላት ተሰኒዱ፡ ናብ ሕጋዊ መስርሕ ከምዝቀረበን፡ ትውልደ ኢትዮጵያዊ ርእሶም በሽር ውን ብተመሳሳሊ፡ ብገበናቱ ኣብ ሕጋዊ መስርሕ ኣትዩ ምህላዉን፡ ጠበቃ ገበናት ኢሜግረሽን ኣመሪካ ውን ምሉእ ሓበሬታ ተዋሂቡ ምህላዉን’ዩ እቲ ሓበሬታ ዘረድእ።
ጉጅለ ህግደፍ፡ ኣብ ልዕሊ 13 ኣስማቶም ዝተጠቅሱን፡ 150 ኣስማቶም ዘይተጠቅሱን ደለይቲ ፍትሒ፡ ሕጋዊ ስጉምቲ ንምውሳድ ኣብ ፈደራላዊ ቤት ፍርዲ ስያትል ስቪላዊ ክሲ ምምሳራቱ ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ከም ግብረመልሲ ናይ’ቲ ህግደፍ ዝመረጾ መንገዲ፡ ብርክት ዝበሉ ደገፍቲ ምልኪ ብሓሶት ዝረከብዎ ዑቅባ ኣብ ሓደጋ ክወድቅ ምኳኑን፡ ገበናቶም ክሕተትሉ ምኳኖምን’ዪ ነጺሩ ዝርከብ።
በዚ ተጀሚሩ ዘሎ መስርሕ መሰረት፡ ወከልቲ 13 ክሱሳት ደለይቲ ፍትሒ፡ እዚ ሕጋዊ ጥምጥም በጺሕዎ ዘሎ ደረጃን፡ ክሳብ ሕጂ ክኸይድ ዝጸንሐ ሕጋዊ መስርሕን ኣመልኪቶም፡ ምስ ህዝቢ እሂን ምሂን ንምባል ናብ ትሽዓተ ከተማታት ኣመሪካ ዑደት ከካይዱ መደብ ሒዞም ምህላዎም ዝተገልጸ ኮይኑ፡ መጋቢት 28 ዳላስ፡ መጋቢት 29 ደንቨር፡ መያዝያ 4 በይ ኤርያ፡ መያዝያ 4 ስያትል፡ ሚያዝያ 18 ኣትላንታ፡ ሚያዝያ 19 ቻርሎት፡ ሚያዝያ 25 ኢንድያና፡ ሚያዝያ 25 ሚኒሶታ፡ ኣብ መወዳእታ ድማ ግንቦት 2 2026 ኣብ ዋሽንግተን ዲሲ፡ ናይ ዑደት መደባት ክህሉ ምኳኑ’ዩ
ተገሊጹ ዝርከብ።
ኣብዘን ከተማታትን ከባቢኡን ትርከቡ ደለይቲ ፍትሒ፡ ኣብ’ዚ ኣገዳሲ ናይ ቃልሲ መድረኽ ክትርከቡ፡ ወከልቲ ክሱሳት ህግደፍ ብኽብሪ ዝዓደሙ ኮይኖም፡ ጉጅለ ህግደፍ ኣብ ልዕሊ ደለይቲ ፍትሒ ጀሚርዎ ዘሎ ጸለመን ስግረዶባዊ ዓመጽን ዓጸፋዊ ግብረመልሲ ንምሃብ ኩሉ ዝከኣሎ ከበርክት ከምዝግባእ ውን’ዮም ጻውዒቶም ዘቅርቡ።