ጉጅለ ህግደፍ ካብ ህዝቢ ኤርትራ ዘሚቱ፡ ንኣገልገልቲ ናይ’ቲ ጸቢብ ጉጅለ ዝኮኑ ሰብ ግዜ ዝወገነሎም ኣባይቲ፡ ንኣረሜናዊ ምስሊ እቲ ጉጅለ ዘንጸባርቅ ዓቢ ገበን ምኳኑ፡ ምንቅስቃስ ሰብ ኣስመራ ንለውጢ ምስ ቴለቪዥን ኤሪፒኤም ኣብ ዝገበርዎ ዘተ ገሊጾም።
ጉጅለ ህግደፍ፡ እግሩ ኣብ ኣስመራ ካብ ዘንበረላ ሰዓት ኣትሒዙ፡ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ መግዛእታዊ ስርዓታት ዘይፈጸምዎ ኣነዋሪ ተግባራት ክፍጽም ምጽንሑ ዝገለጹ ሰብ ኣስመራ ንለውጢ፡ እዚ ንህዝቢ ኤርትራ ካብ ባርነት ሓራ ጌረዮ እንዳበለ ዝንየት ጸቢብ ጉጅለ፡ ንብረት ህዝቢ ኤርትራ ዝኮነ ኣባይቲ እንዳወረሰ፡ ኣገልገልቱ ንዝኮኑ ሰብ ግዜ ክህቦም ምጽንሑ መራኣያ ኣረሜንነቱ ምኳኑ”ዮም ወሲኮም ዝገልጹ።
እቶም ንብረት ሲቭል ዜጋታት ዘሚቶም፡ ኣብ ዘይሃነጽዎ ኣባይቲ ዝነብሩ ዘለዉ ሰብ ግዜ፡ መስፍን ርእሶም ቅዩድ ሓላፊ ክራይ ኣባይቲ ነበር፡ ዮሴፍ ባህታ ሓላፊ ክራይ ኣባይቲ ነበር፡ ሰለሙን ገብረንጉስ ሓላፊ ክራይ ኣባይቲ ነበር፡ ኮ/ል ኣማኑኤል ልጅማ ሓላፊ ጸጥታ፡ ነፍሲሄር ፍስሃየ ሃይላ ኣፍሮ፡ ሓላፊ ዞባ ማእከል ነበር፡ ብርጋዴር ጀነራል ኣብርሃ ካሳ ሓላፊ ሃገራዊ ድሕነት፡ ብርጋዴር ጀነራል ስሞኦን ገብረድንግል ሓላፊ ጸጥታን ኢሜግሬሽንን፡ ሜጀር ጀነራል ተክላይ ሃብተስሉስ ኣዛዚ ሓይሊ ኣየርን ስልጠናን፡ የማነ ገብረመስቀል ቻርሊ ሚኒስትሪ ዜና፡ መሓመድ ኑር ኣሕመድ ሓላፊ ስንኩላን ነበር፡ ኮነሬል ፍጹም ለኒን ሓላፊ ተቓወምቲ ውድባት፡ ጴጥሮስ ኣፈወርቂ ምናኣስ ሓው ውልቀመላኪ ኢሰያስ፡ ወልደዝጊ ባህታ ሓላፊ ጸጥታ፡ ሜጀር ጀነራል ፍጹም ገብርሂወት ወዲ መምህር ኣዛዚ 525፡ ኮረኔል ዓንደብርሃን በርሀ ሓላፊ ቅንጸላ፡ ኮረኔል ሙልጌታ ኣማረ ሓላፊ ዓፈናን ስጉምትን፡ ኮረኔል ወዲ ወለላ ሓላፊ ጸጥታ ዞባ ማእከል፡ ዳዊት ተስፋሚካኤል ሓላፊ ወደባት ኤርትራ፡ ኮረኔል ተስፋልደት ሓላፊ ቤትጽሕፈት ኢሰያስ፡ ኮረኔል ጸሃየ ሞኮነን ኣዛዚ ሜካናይዝድ 74 ነበር፡ ኣለም ግደ ሓላፊ ኮምሽን ስፖርት ነበር፡ ኮረኔል እንድርያስ ሃብቱ ኣዛዚ ክ/ሰራዊት 15 ነበር፡ ኮረኔል ገብሪኤል ኣዛዚ ክ/ሰራዊት 35 ነበር፡ ምሩክ ወተሃደር ደርግ ዝነበረ ኮረኔል ቀለሙ ኣባል ጸጥታን ድሕነትን፡ ሜጀር ሽደን ኣባል ቅንጸላ፡ ኮረኔል ግርማጼን የውሃንስ ሓላፊ ስለያ ስርሒት ዞባ 4 ነበር፡ ኮረኔል ፍርዙን ኣዛዚ ፍሉይ ኣሃዱ ሓለዋ ኢሰያስ ኣብ ዓዲ ሃሎ፡ ብርጋዴር ጀነራል ርእሶም ብላታ ኣዛዚ ሜካናይዝድ 74፡ ሰናይት ልጃም ሓላፊት መጓዓዝያ ነበር፡ ኮረኔል ወልዱ በርሀ ሓላፊ ገራጅ መንግስቲ ነበር፡ ድምጻዊት ኤልሳ ኪዳነ ካልኦትን ምኳኖም ዝገለጹ ምንቅስቃስ ሰብ ኣስመራ ንለውጢ፡ እዚ ኣረሜናዊ ተግባር ንታሪኽ ተቀሚጡ ክጸንሕን፡ ህዝቢ ኤርትራ ደመኛታቱ ኣጸቢቁ ክፈልጥን’ዮም ኣብ ቃላቶም ዘተሓሳስቡ።
ዝበዝሑ ብኣረሜናዊ ተግባራት ህግደፍ ኣባይቶም ዝተመንጠሉ ዜጋታት፡ ሎሚ ኣብ ባርነት ወዲቆም ኣገልገልቲ እዚ ጸቢብ ጉጅለ ኮይኖም ምህላዎም፡ እቲ ኣዝዩ ዘሕዝን ክስተት ምኳኑ ዝጠቀሱ ሰብ ኣስመራ ንለውጢ፡ ግዜ ንኩሉ ዝከውን መስሊ ስለዘለዎ ግን፡ ህዝቢ ኤርትራ ደመኛታቱ ኣጸቢቁ ከለልን፡ ንምሉእ ሓርነት ቅሩብነቱ ከረጋግጽን’ዮም ዝመኽሩ።