ኢራን፡ ድሕሪ እቲ ካብ ትራምፕ ዝተዋህባ ናይ 48 ሰዓታት መጠንቀቕታ፡ ምስ ኣመሪካ ምትእስሳር ኣብ ዘለዎም ትካላት ትሕተ-ቅርጺ ጸዓት፡ ሕነ ናይ ምፍዳእ ስጉምቲ ከምእትወስድ ገሊጻ።
ፕረዚደንት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕ፡ ኢራን ንመጻብቦ ሆርሙዝ ኣብ ዝቅጽል 48 ሰዓታት እንተዘይከፊታቶ፡ ኣብ ልዕሊ ትካላት ጸዓት እታ ሃገር ዓቢ ዕንወት ዘውርድ ስጉምቲ ክወስድ ምኳኑ ዝገለጸ ኮይኑ፡ ነዝ መግለጺ እዚ ስዒባ ግብረመልሲ ዝሃበት ኢራን፡ መጻብቦ ሆርሙዝ ካብ መራኽብ “ጸላእቲ” ወጻኢ ንካልኦት መራኽብ ክፉት ምዃኑ ድሕሪ ምጥቃሳ፡ ትራምፕ ንዝወስዶ ስጉምቲ ግን ዓጸፋዊ ግብረመልሲ ክትህበሉ ምኳና’ያ ገሊጻ ትርከብ።
ዶናልድ ትራምፕ ከም ፈኸሩኡ፡ ድሕሪ 48 ሰዓታት ንመመንጨውቲ ሓይሊ (ጸዓት) ኢራን ዘጥቅዕ ስጉምቲ እንተወሲዱ፡ ኢራን ኣብ ዓቢ ክሳራ ክትወድቅን፡ መንግስቲ እታ ሃገር ናይ ምውዳቅ ዕጫ ክገጥሞን ከምዝኽእል ዝግለጽ ኮይኑ፡
ባኣንጻሩ ካብ’ዚ ሓደጋ እዚ ንምህዳም መንግስቲ ኢራን ንመጻብቦ ሆርሙዝ ክኸፍቶ እንተወሲኑ ውን፡ ዝዓበየ ናይ ምክልኻል ዓቅሚ እታ ሃገር ክፈርስ ዘገድድ ብምኳኑ፡ መንግስቲ ኢራን ኣብ ወሳኒ ህሞት ምህላዉ’ዩ ዝእመን።
መንግስቲ ኢራን ሰውራዊ ክብርታት ንምሕላው፡ ንዝሓለፉ ዓሰርተታት ዓመታት፡ ኣብ ልዕሊ ቁጠባ እታ ሃገረ ዝበጽሕ ጉድኣትን ስቓይ ህዝብ ኢራንን ከይገደሶ፡ ንኩሉ ተጻዊሩ ክቅጽል ምጽንሑ ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ንነዊሕ ዓመታት ኣብ ትሕቲ እገዳ ምዕራባውያን ዝጸንሐ መንግስቲ ኢራን፡ ነዚ ሕጂ ካብ ትራምፕ ዝበጽሖ ዘሎ ምፍርራሕ ውን፡ ኩሉ ዓይነት ዋጋ ክኸፍል ከምዝክእልን፡ ቅልውላው ዓለም ከጋድዶ ከምዝኮነን’ዩ ዝስጋእ።
መንግስቲ ኢራን ካብ ወርሒ ጥሪ ጀሚሩ ብሰንኪ ዝነበረ ህዝባዊ ተቓውሞ ኣሽሓት ዜጋታት እታ ሃገር ክቅንጽል ምጽንሑ ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ኣብ መጀመርታ እዚ ሰሙን እዚ እውን ብተመሳሳሊ፡ ፖሊስ ቀቲሎም ተባሂሎም ዝተኸሰሱ ሰለስተ መንእሰያት ብስቕለት ድሕሪ ምቅጽዑ፡ እቶም መንእሰያት ብሰንኪ ዝወረዶም ስቓይን ማእሰርትን’ዮም ነቲ ገበን ከም ዝፈጸምዎ ተኣሚኖም ዝብል ክስታት ካብ ተጣባቐቲ መሰላት ክቀርበሉ ምጽንሑ’ዩ ዝንገር።
በዓል መዚ ኢራን ነቲ ናይ ትራምፕ ምፍርራሕ ከም ተራ ፈከራ ቆጺሮም፡ ኣብ ልዕሊ ሃገራት ወሽመጥ ዓረብ ዝፍጽምዎ ዘለዉ መጥቃዕቲ ክቕጽሉ ምኳኖም ዝተገልጸ ኮይኑ፡ ኩነታት በዚ ዝቕጽል እንተኾይኑ፡ ኣብ ነዳዲ ዘይትን ቱሪዝምን ዝተመስረተ ቁጠባ ዘለወን ሃገራት ወሽመጥ ዓረብ ኣብ ከቢድ ሓደጋ ክወድቃ ምኳኑ’ዩ ዝንገር።
ትራምፕ ንመመንጨውቲ ሓይሊ ኤሌክትሪክን ናይ ጸዓት ቦታታትን ካብ ጥቕሚ ወጻኢ እንተገይሮምዎም፡ ዝዓነዉ ትካላትና ዳግማይ ተሃኒጾም ኣገልግሎት ክሳብ ዝጅምሩ፡ እቲ መጻብቦ ባሕሪ ሆርሙዝ ምሉእ ብምሉእ ክዕጾ ዝበለት ኢራን፡ ካብቲ ዝቀደመ ዝበኣሰ ስጉምቲ ክትወስድ ከምዝኮነት ዘጠንቀቐት ኮይና፡ በዚ መሰረት
• ኩሎም ናይ እስራኤል ትካላት ትሕተ-ቅርጺ ጸዓት ዕላማ መጥቃዕቲ ከምዝኮኑ፡
• መዓስከር ሰራዊት ኣመሪካ ዘለወን ናይቲ ዞባ ሃገራትን፡ ዘለወን መመንጨዊ ሓይሊ ጸዓት ምሉእ ከምዝዓኑ፡ ከሙኡ ውን ኣብ ኩሉ መዓስከራት ማእከላይ ምብራቅ በርቃዊ መጥቃዕቲ ክትወስድ ምኳናን እያ ኣጠንቂቓ ትርከብ።