ብሰንኪ’ቲ ኣብ መዓስከር ዳባት ተፈጢሩ ዘሎ ኣሰካፊ ኩነታት፡ ሂወቶም ኣብ ሓደጋ ዛኣተወ ኣማኢት ኣሽሓት ኤርትራውያን ስደተኛታት፡ እግሮም ናብ ዝመርሖም ይሃድሙ ምህላዎም፡ ምንጪ ግብሪ ሕያዋይ ሳምራዊ ኣብ ዝሰደደልና ሓበሬታ ኣረጋጊጹ።
መዓስከር ኣለምዋጭ ዳባት፡ ኣብ’ዚ ዝሓለፈ ልዕሊ ኣርባዕተ ዓመታት ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ብረት ዝተዓጥቁ ሸፋቱ ወዲቁ፡ ሂወት ዜጋታትና ኣብ ሓደጋ ወዲቁ ምጽንሑ ኣብ ሓበሬቱኡ ዝጠቀሰ ግብሪ ሕያዋይ ሳምራዊ፡ እቲ ኣብ ልዕሊ ስደተኛታት ክፍጸም ዝጸንሐ ናይ ጭውያ ዓመጽን ቅትለትን ተግባራት፡ ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝበኣሰ ደረጃ ብምዕባዩ፡ ኤርትራውያን ስደተኛታት እግሮም ናብ ዝመርሖም ይሃድሙ ምህላዎም እዩ ወሲኹ ዘረድእ።
ኣብ’ዚ ዝሓለፈ ሰለስተ ኣዋርሕ ጥራሕ፡ ልዕሊ 1800 ስደተኛታት ናብ ኣዲስ ኣበባ፡ ሳሆን :ትግርኛን ዝርከብዎም ልዕሊ 150 ስድራቤታት ናብ ዓፋር ኣሳይታ፡ ዝበዝሑ ደቂ ኩማና ዘለዉዎም ልዕሊ 250 ስድራቤታት ናብ ሽረ፡ ልዕሊ 378 ስድራቤታት ከኣ ናብ ሽራሮ ሃዲሞም፡ ሂወቶም ንምድሓን ኣብ ቃልሲ ምህላዎም ዝጠቀሰ ግብሪ ሕያዋይ ሳምራዊ፡ ሓለፍቲ እቲ ኣብ ዳባት ዝርከብ ናይ ስደተኛታት ትካል ውን እንተኮነ፡ ኩሉ ሰብ ሂወቱ ንምድሓን ካብቲ መዓስከር ክርሕቅ ብምእዋጁ፡ ኣብ’ዚ ሕጂ ሰዓት ኣብ ህጹጽ ናይ ሓደጋ እዋን ምህላዎም እዩ ኣብ ሓበሬቱኡ ዝጠቅስ።
ኣብ ማሕበራዊ መራከቢታት ነቲ ኣብ ባይታ ዘሎ ሓቂ ዘየንጸባርቅ፡ ዝተጋነነ ሓበሬታ ይዝርጋሕ ምህላዉ ወሲኹ ዝጠቀሰ እቲ ሓበሬታ፡ ብዛዕባ’ዚ ኣብ ልዕሊ ኤርትራውያን ስደተኛታት ወሪዱ ዘሎ በደልን ምፍንቃልን፡ ከሙኡ ውን ቁጽሪ ተፈናቂሎም ዘለዉ ስደተኛታት ብልክዕ ንምፍላጥ ዝደሊ ኣካል ውን ቅኑዕ ሓበሬታ ካብ ግብሪ ሕያዋይ ሳምራዊ ክረክብ ከምዝኽእል እዩ ኣብ መልእኽቱ ዘተሓሳስብ።
ብዛዕባ ካብ ዳባት ተፈናቂሎም ዝወጹ ዘለዉ ኤርትራውያን ስደተኛታት ዘየሎ ቁጽሪ ብምጥቃስ፡ ኣብ ቴንዳ ከም ዝነብሩ፡ ዝተጋነነ ጥምየት ከም ዘለዎምን፡ ኣብ ሓመድ ከም ዝድቅሱን ዝዝርጋሕ ዘሎ ሓበሬታ፡ ንገለ ኣብ ደገ ዝነብር ህዝብና ዘናወጽ ግጉይ ሓበሬታ ምኳኑ ዝጠቀሰ ግብሪ ሕያዋይ ሳምራዊ፡ እዚ ሓበሬታ ጉጉይን ኣብ ባይታ ዘዮሎን ዝተጋገየን ምኳኑ ብምጥቃስ፡ ብዛዕባ እቶም ብሰንኪ ኣብ ዳባት ዘሎ ዘይውሑስ ኩነታት ተደፊኦም ናብ ሽረ፡ ሽራሮ፡ ኣሳይታን ኣዲስ ኣበባን ዝውሕዙ ዘለው ስደተኛታት ቅንዑ ሓበሬታ ንምርካብ፡ ብቀጥታ ምውካስ ከምዝከኣል እዩ ወሲኹ ዝገልጽ።
ምስዚ ብዝተሓሓዝ ዜና፡ ቢንያም ንጉሰ ዝተባህለ ኤርትራዊ ስደተኛ ውን፡ ቅድሚ 5 መዓልታት ተጨውዩ፡ 1.5 ሚሊዮን ክኽፈሎ ክሕተት ምቅናዩ ወሲኹ ዝጠቀሰ እቲ ሓበሬታ፡ ትማሊ ድሕሪ ዝተካየደ ሰለማዊ ሰልፊ ግን፡ እቲ ተቀይዱ ዝጸንሐ ስደተኛ ከምዝተፈትሐን፡ ኣሰካፊ ኩነታት እቲ መዓስከር ህዝቢ ክበታተን ደሪኹ ምህላዉን’ዩ ዝገልጽ።
ካብ ግዜ ናብ ግዜ እንዳበረኸ ብዝከይድ ዘሎ ናይ ጭውያን ቅትለትን ተግባራት ዝተሰናበደ ህዝቢ፡ ኣብ’ዚ ሕጂ ሰዓት እግረይ ኣውጺኒ ኢሉ፡ ንቅድሚኡ ይሃድም ምህላዉን፡ ቆልዑት ከይተረፉ ኣብ ሓደጋ ወዲቆም ምህላዎም ዝገለጸ ምንጪ ግብሪ ሕያዋይ ሳምራዊ፡ ክሳብ ወለዶም ገዲፎም ንቅድሚኦም ዝሃድሙ ስደተኛታት በዚሖም ብምህላዎም፡ ጉዳይ መዓስከር ዳባት ህጹጽ ቆላሕታ ይጠልብ ምህላዉ’ዩ ወሲኹ ዘረድእ።