ሚኒስትር ጉዳያት ወጻኢ ኢራን ኣባስ ኣራግቺ፡ ሃገሩ ኢራን ምስ ኣመሪካ ኩለመዳያዊ ስምምዕ ምቁራጽ ተጻቦኦ እምበር፡ ግዝያዊ ስምምዕ ምቁራጽ ተጻቦኦ ከምዘይትቅበል ኣፍሊጡ።
ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኢራን ነዚ ዝገለጸ፡ ምስ ቻይናዊ መዘንኡ ዋንግ ዪ ኣብ ዘካየዶ ርክብ ምኳኑ መንግስታውያን ማዕከናት ዜና ቻይና ዝሓበራ ኮይነን፡ ኢራን ነቲ ትራምፕ ዝገልጾ ዘሎ ናይ ሰላም ተስፋ፡ ነባሪ ምቁራጽ ተጻቦኦ እንተዘይኮይኑ፡ ብግዚያውነት ከምዘይትቅበሎ እዩ ዘነጽር።
ኣራግቺ፡ “ኢራን ንኹለመዳያዊ ተኹሲ ደው ምባል ድልውቲ እያ፡ ግዝያዊ ኣይኮነን” ዝበለ ኣራግቺ፡ እቲ ቁልፊ ኣህጉራዊ መስመር ማይ ዝኾነ መጻብቦ ሆርሙዝ ብዘይካ ንጸላእታ ንኹሉ ክፉት ምዃኑ ገሊጹ።
ኣብ’ዚ እዋን እዚ፡ ብዘይካ’ተን ኣብ ኲናት ኢራን ዝሳተፋ ዘለዋ ሃገራት፡ መራኽብ ካሎኦት ሃገራት ብዘይ ዝኾነ ጸገም ብመጻብቦ ሆርሙዝ ክሓልፋ ይኽእላ እየን ዝበለ እቲ ኢራናዊ በዓል ስልጣን፡ ይኩን እምበር ኢራን ንግዚኡ ጥራሕ ብዝእወጅ ግዚያዊ ምቁራጽ ተጻቦኦ ክትሰማማዕ ከምዘይኮነትን፡ ዘላቂ ምሉእ ስምምዕ ጥራሕ ከምእትቅበልን እዩ ወሲኹ ዘረድእ።፡
ብዛዕባ’ቲ ኣብ ሞንጎ ሚኒስተራት ጉዳያት ወጻኢ ኢራንን ቻይናን ዝተካየደ ርክብ ኣመልኪቱ ጸብጻቡ ዝሃበ መንግስታዊ መራኸቢ ብዙሓን ቻይና ብወገኑ፡ ንጉዳይ ግጭት ኢራን እስራኤልን ኣመሪካን ኣመልኪቱ ሓሳቡ ዘቅረበ ኮይኑ፡ ኣብ መንጎ ኢራን እስራኤልን ኣመሪካን ተፈጢሩ ዘሎ ፍልልይ ንምፍታሕ፡ ሰለማዊ ዘተ ቀንዲ መንገዲ ክኸውን ኣለዎ ዝብል እምንቶ፡ መርገጺ ቻይና ምኳኑ’ዩ ብመንገዲ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ እታ ሃገር ኣቢሉ ገሊጹ ዝርከብ።
ሚኒስተር ቻይና ዋንግ ዪ ኣብ መግለጺኡ፡ ኩሉ ግዜ ካብ ምውጋእ ምዝርራብ ይሓይሽ ዝበለ ኮይኑ፡ ኩሎም ናብ ግጭት ኣትዮም ዘለዉ ወገናት፡ ንናይ ዘተን ሰላምን ዕድላት ብቕልጡፍ ክጥቀሙሉ ከምዝግባእ ብምጥቃስ’ዩ ጻውዒቱ ኣቅሪቡ ዝርከብ።