ዓመታዊ ወሰኽ ህዝቢ ኤርትራ: ካብተን ኣብ ኣፍሪቃ ኣብ ዝተሓተ ደረጃ ዝርከባ 10 ሃገራት ምዃኑ ጸብጻባት ሕቡራት ሃገራት ሓቢሩ።
ቀንዲ ጠንቂ ትሑት ወሰኽ ህዝቢ ኤርትራ: ስደት: ገደብ ዘይብሉ ግዱድ ሃገራዊ ኣገልግሎትን ውትህድርናን: ድኽነትን ምሕያርን ምዃኑ: ናይ 2025 ጸብጻብ የመልክት።
ዓመታዊ ዕቤት ብዝሒ ህዝቢ ኤርትራ: ካብ ሓደ ነጥቢ 6 ክሳብ ሓደ ነጥቢ 8 ሚእታዊት ደይቡ ከምዘይፈልጥን ብግምት ካብ 3 ነጥቢ 5 ሚልዮን ጠቕላላ ብዝሒ ህዝቢ ኤርትራ: ልዕሊ ሓደ ሚልዮን ኤርትራዊ ኣብ ስደት ይርከብ።
ኣብ ዝሓለፈ ርብዒ ዘበን ብፍላይ: ኣብ ኤርትራ እቲ ክምርዖን ክወልድን ዝግብኦ ዕድመ ብቀጻሊ ይስደድ: ኣብ ኩናት ይሃልቕ: ይስንክል: ካብ ስድራቤቱን ንቡር ህይወቱን ተመዛቢሉ ስለዝነብር: ወሰኽ ብዝሒ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ዘሻቕል ደረጃ የርከብ።
ኣብ ኣፍሪቃ: ሞሪሸሽ: ቱኒዝያ: ሲሸልስ: ኤስዋትኒ: ሞሮኮ: ሊብያ: ኤርትራ: ኬቨርደን ኮሞሮስን ዝተሓተ ዕቤት ብዝሒ ዘለወን ሃገራት ኢየን።
ብኣንጻሩ ኡጋንዳ: ደሞክራሰያዊት ሪፖብሊክ ኮንጎ: ማእከላይ ኣፍሪቃ: ሶርያ: ሶማልያ: ደቡብ ሱዳን: ታንዛንያ: ኒጀር: ኣንጎላ: በኒን: ኣይቮሪኮስት: ኢትዮጵያ ዝኣመሰላ ሃገራት ኣፍሪቃ: ዓመታዊ ካብ 2 ነጥቢ 5 ክሳብ 3 ነጥቢ 3 ሚእታዊት ብዝሒ ህዝበን ወሰኽ የርኢ።
ኣብ ኤርትራ ዘሎ ቀይዲ በተኽ ምሕደራ ጉጅለ ህግደፍ: ዓቢ ክፋል ኣብ ክሊ ዕድመ መርዓን ምውላድን ዝርከብ ኤርትራዊ ተሰዲዱን ኣብ ውትህድርና ተጸሚዱን ስለዘሎ: ብዝሒ ህዝቢ ኤርትራ ከንቆልቁል ወይ ኣብ ዘለዎ ጠጠው ከይብል ዘስግእ ኢዩ።