ኢራን ኣመሪካ ንዘቅረበቶ ውጥን ምቁራጽ ተጻቦኦ ኣመልኪታ ኣብ ዝሃበቶ መግለጺ፡ ክምላእ ኣለዎ ዝበለቶ ቅድመ ኩነት ኣቀሚጣ።
ኢራን ዝሃበቶ ናይ ግብረ መልሲ መግለጺ፡ ንበዓል-15 ነጥቢታት ውጥን ኣመሪካ ኣመልኪታ ዝሃበቶ፡ ናይ ፈለማ ግብረ መልሲ ኮይኑ፡ ግድን ክማላእ ኣለዎ ዝበለቶ ቅድመ ኩነት ብምቅማጥ ጥራሕ ንዘተ ከምእትቅረብ እያ ኣፍሊጣ እትርከብ።
ነዚ ኢራን ንዝሃበቶ ግብረመልሲ ዝጸብጸበ፡ ምስ እዚ ሓለዋ እስላማዊ ሰውራ ኢራን ምትእስሳር ዘለዎ ማዕከን ዜና ታስኒም ኮይኑ፡ ኢራን ኣመሪካ ዘቕረበቶ 15 ነጥብታት ዝሓዘ ውጥን ሰላም ምላሽ ከምዝሃበትሉ ካብ ሓደ ስሙ ክግለጽ ዘይተደልየ በዓል ስልጣን ከምዘረጋገጸ እዩ ዝጠቅስ።
ማዕከን ሓበሬታ ታስኒም፡ ንሓደ “ሓበሬታ ኣለዎ” ዝበሎ ስሙ ዘይተረቁሐ በዓል ስልጣን ብምጥቃስ ኣብ ዘቅረቦ ጸብጻብ፡ ንቅድመ ኩነት ኢራን ዝጠቀሰ ኮይኑ፡ ኢራን ክስገር ዘይክእል ኣርባዕተ ቅድመ ኩነት ሒዛ ጥራሕ ናብ መስርሕ ምቁራጽ ተጻቦኦ ክትጽንበር ከምእትደሊ እዩ ዝገልጽ።፡
ኢራን ዘቅረበቶ ቅድመ ኩነት
• ብጸላኢ ዝፍጸም ተግባራት መጥቃዕትን ቅንጸላን ደው ክብልን፡ ኲናት ዳግማይ ከምዘይለዓል ጭቡጥ ዘተኣማምን ኩነታት ክቐውምን።
• ካሕሳ ኲናት ክረጋገጽን ብንጹር ክውሰንን፡ መስርሕ ምቁራጽ ተጻብኦታት ውን ኣብ ኩሉ ግንባራትን፡ ምስ ኩሎም ኣብቲ ግጭት ዝሳተፉ ዘለዉ ጉጅለታትን ክተግበር።
• ልኡላውነት ኢራን ኣብ ልዕሊ መጻብቦ ሆርሙዝ ብምጥቃስ፡ ሆርሙዝ ተፈጥሮኣውን ሕጋውን መሰል እታ ሃገር ከምዝዀነን፡ ኣፍልጦ ክወሃቦን ምኳኑ ዝጠቀሰ እቲ ማዕኸን ዜና፡ እዚ ክሳብ ዘይተረጋገጸ ኢራን ኲናት ደው ንምባል ድሌት ከምዘይብላ እዩ ዘረድእ።
ኢራን ከም ቅድመ ኩነት ኣቀሚጣቶ ዘላ ነጥብታት ኣዝዩ በዳሂ፡ ኣመሪካን እስራኤልን ንኽቅበሎኦ ውን ኣዝዩ ከምዝከብድ ዝንገረሉ ኮይኑ፡ ኢራን ናብ ነባሪ ውዕል ምቁራጽ ተጻቦኦ ተኣትዩ፡ ስልጣን ንግስነት ኤራን ናይ ምቅያር ድላይ ተሪፉ፡ ካሕሳ ተከፊልዋ ንወሽመጥ ሆርሞዝ ከምእትቆጻጸር ክሳብ ዘየረጋገጸት፡ ኲናት ደው ኣይብልን እዩ ምባላ፡ ዓለማዊ ቀውሲ ከየስዕብ እዩ ዝስጋእ።
ኢራን ብስርሒት እስራኤልን ኣመሪካን ዝዓነወ ኩሉ ዓይነት ጸጋታታ ብመልክዕ ካሕሳ ክወሃባ ትጠልብ ምህላዋ ውን እቲ ካልእ ክብጻሕ ዘይክእል ቅድመ ኩነት ምኳኑ ዝጥቀስ ኮይኑ፡ ዛጊት ኣብ ዝሓለፈ 30 መዓልታት ብልፍንታዊ ሓይሊ እስራኤልን ኣመሪካን ኣብ ልዕሊ ኤራን ዝወረደ ዕንወት፡ ኣስታት 100 ቢልዮን ዶላር ከምዝትመን እዩ ዝንገር።