ብቁጠባዊ ጉዳያት ጉጅለ ህግደፍ እትውነን ብዱኳን ሕድሪ እትፍለጥ መከፋፈሊትን ሸያጢትን ንብረት: ቀንዲ ስራሓ ስለያዊ ንጥፈታትን ምንቕስቓስ ሰባት ምክትታልን ምዃኑ: ምንጭታትና ካብ ኣስመራ ገሊጾም።
ብመሰረት ካብ ውሽጢ ዓዲ ናብ ኤሪፒኤም ዝተላእከ ሓበሬታ: እታ ካብ ጽባሕ ናጽነት ኤርትራ ኣብ ትሕቲ ንግዳዊ ትካል ቀይሕ ባሕሪ(09) ዕዳጋ ንምርግጋእን ስሱዓት ነጋዶ ንምቁጽጻርን ተባሂላ ካብ ወጻኢ ዝኣቱ ንብረት እትሸይጥ ዱኳን: ልዕሊ ምሻጥ ንብረት ንጥፈታት ስለያን ዘይሕጋዊ ምንቅስቃስ ምቑጽጻር ሰላማውያን ሰባት ዝካየደላ ኢዩ።
ከም ዝፍለጥ እቲ ካብ ቅድሚ ናጽነት ህላወ ዝነበሮ ንግዳዊ ትካል ቀይሕ ባሕሪ: ቀረጽ ዘይክፈሎን ተቆጻጻሪ ዘይብሉን ዝተፈላለየ ሃለኽቲ ኣቑሑት ካብ ወጻኢ ናብ ኤርትራ ብምእታውን ናብ ጎሮባብቲ ሃገራት ብዘይ ሕጊ( ኮንትሮባንድ) ብምሻጥን: ሚልዮናት ዶላር መኽሰብ ዝግሕጥ ትካል ጉጅለ ህግደፍ ኢዩ።
ካብ ዱኳን ሕድሪ ዱኳን ከትሪ ክብልዋ ዝደፍሩ ብዙሓት ተቐማጦ ኣስመራን ካልኦት ከተማታትን: ብመቑነን (ኩፖን) ዝተወሰነ ሃለኽቲ ኣቑሑት ንነባርነት ወረቐት ጉጅለ ፍግደፍ ዝሓዙ ዝውሃብ ኢዩ።
ጉጅለ ህግደፍ ንዱኳን ሕድሪ ካብ ንጥሙያት ዝዕንግልን ጸገማት ዝፈትሕን ዕለታዊ ምንቕስቃስ ህዝቢ: ዝነብረሉ ቦታን ብደቂቕ ንምክትታልን ናይ ምሕያርን ጭውያን ስጉምቲ ንምውሳድን ዝዓለመ ኢዩ።
ኣብ ርእሲኡ: ዱኳን ሕድሪ: ብሸፈጥ ምርግጋእ ዕዳጋን ቀረብን ንኻልኦት ሰብ ዋኒን ዘዳኽምን ዝግብትን ትካል ኢዩ።
ጉጅለ ህግደፍ: “ክትመልኮን ክትቆጻጸሮን ዝደለኻ ህዝቢ ፈለማ ከተደንቁሮን ከተጥምዮን ኣለካ” ዝብል ፖሊሲ ዝኽተል ኮይኑ ኤርትራዊ ኣብ ቁጠባውን ፖለቲካውን መዳያት ዝኾነ ተሳታፍነትን ሓላፍነትን ከምዘይህልዎ ስለዝገበሮ ተጸባይን ሰማዕን ተኣዛዝን ጥራይ ኢዩ።
ኣብ መዋእል ጉጅለ ህግደፍ: ኣብ ከተማታት ዝቕመጥ ህዝብና 100 ግራም ዝኽብደታ ንኣፍ ጠልቆም ንኸብዲ ሓጥያት ባኒ ብቁጽሪ ሰብን ንነባርን ጥራይ ስለዝዕደል: ጋሻን ቤተሰብን መጺኡዎ ዝቕርበሉ መግቢ የለን። ገያሻይ መግቡ ቋጺሩ ክመጽእ ወይ ገዚኡ ክበልዕ ይግደድ ማለት ኢዩ።
ኣብ ኤርትራ ብቑዕን እኹልን ኣገልግሎት ኤለክትሪክ: ዝስተ ጽሩይ ማይ: መጓዓዝያ: መንበሪ ኣባይቲ: ሕክምና: ከምኡ ውን ዕድላት ስራሕን ማሕበራዊ ውሕስነትን ዝኣመሰሉ መሰረታውያን መሰላትን ኣገልግሎትን ጸገም ስለዘሎ: ዝዓበየ ክፋል ህዝብና ብሓዋላን ኣብ ድኽነትን ካብ ኢድ ናብ ኣፍ ህይወት ኢዩ ዘነብር ዘሎ።
ከም ሳዕቤኑ እቲ ኣብ ሕብረተሰብና ዝባንካ ቀሊዕካ ምልማን ከም ነውሪ ዝሕሰብ ዝነበረ ሎሚ ኣብ መዋእል ጉጅለ ህግደፍ ኣደ ቆልዑን ነብሰ ጾራትን ኣደታት: ኣረጋውያንን ኣካለ ስንኩላን ተጋደልትን ኣብ ጎደና ክልሙኑ ምርኣይ ልሙድ ኮይኑ ኣሎ።