ሕብረት ኤውሮጳ ትማሊ ሓሙስ ኣብ ዘካየዶ ኣኬባ፡ ሕቶ ዑቕባኦም ዝተነጽጉ ስደተኛታት፡ ካብ ሕብረት ኤውሮጳ ወጻኢ ናብ ዝርከባ ሃገራት ኣፍሪቃ ከምዝግዕዙ ብምግባር፡ ናብ ሃገሮም ዝጥረዝሉ መስርሕ ክካየድ ንዝጠልብ ኣከራኻሪ ሕጊ፡ ብዓብላሊ ድምጺ ከምዘጽደቀ ገሊጹ።
እቲ ትማሊ ሓሙስ ወግዓዊ ተቀባልነት ዝረኸበ ኣዋጅ፡ ሕቶ ዑቕባኦም ዝተነጽገ ስደተኛታት፡ ካብ ዶባት እቲ ሕብረት ወጻኢ ኣብ ዝኮና ሃገራት ግዒዞም፡ ኣብ ካምፕታት ክጸንሑን፡ ጉዳዮም ተዛዚሙ ናብ ሃገሮም ክምለሱን ዝጠልብ ኮይኑ፡ ኣባላት ፓርላማ ብራስለስ ነቲ ሓድሽ ኣዋጅ ብ389 ደገፍን ብ206 ተቓውሞን ከምዘጽደቅዎ እዩ ገሊጹ ዝርከብ።
ብመሰረት እቲ ዝቀረበ ሓሳብ፡ ናብ ማእከል ምግዓዝ ስደተኛታት ንምእታው ፍቓደኛታት ዘይኮኑ ስደተኛታት፡ ማእሰርትን ናይ ጉዕዞ እገዳን ዝሓወሰ ከቢድ መቕጻዕቲ ክጽበዮም ምኳኑ ዝገለጸ እቲ ሕብረት፡ ብቁዕ ተቀባልነት ዘይረኸቡ ስደተኛታት ብመንገዲ 3ይ ሃገር ናብ ሃገሮም ዝምለስሉ ስራሕ ንምስራሕ ምውሳኑ እዩ ዝገልጽ።
ብመሰረት ሓበሬታ ዜና AFP፡ ነዚ ንድፊ ሓሳብ እዚ ምሉእ ብምሉእ ዝደገፋ ሃገራት እቲ ሕብረት፡ ከም ዴንማርክ፡ ኦስትሪያ፡ ግሪክ፡ ጀርመንን፡ ሆላንድን ዛኣመሰላ ሒደት ሃገራት ምኳነን ዝጠቀሰ ኮይኑ፡ ይኹን እምበር፡ ከም ፈረንሳን ስጳኛን ዝኣመሰላ ሃገራት ባኣንጻሩ፡ ኣብ ውጽኢታውነት እቲ ሓድሽ ኣዋጅ ሕቶ ከምዘልዓላን፡ ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ውን ብወገኖም ሓተትቲ ዑቅባ ብሓደገኛ ተግባራት ክጠፍኡ ዘገድድ ሓደገኛ ስጉምቲ ምኳኑ’ዮም ዘጠንቅቑ።
ኣባል ኣህጉራዊ ኮሚቴ ረድኤት ማርታ ዌላንደር ብወገና፡ ክትከል ተወሲኑ ዘሎ መጽንሒ ማእከላት፡ ካብ ግዝኣት ሕብረት ኤውሮጳ ወጻኢ ኣብ ዝኮና ሃገራት ዝትከል ስለዝኾነ፡ ፖሊሲ ዘጽድቑ ኣባላት እቲ ሕብረት፡ ጉዳይ ሰባኣዊ መሰል እቶም ስደተኛታት ከረጋግጹ ኣይክእሉን እዮም ክትብል ስጋኣታ ዝገለጸት ኮይና፡ ዓባይ ብሪጣንያ ዘይሕጋውያን ስደተኛታት ናብ ሩዋንዳ ንምስጓግ ዝነበራ መደብ ውን ብተመሳሳሊ፡ ኣብያተ ፍርዲ ብዘቕረብዎ ተኸታታሊ ዕንቅፋታት፡ ክስረዝ ከምዝተገደደ እዩ ዝንገር።
ጥልያን ውን ብወገና፡ ስደተኛታት ናብ ኣልባንያ ንምግዓዝ ዝነበራ ውጥን፡ ብሰንኪ ዝገጠሞ ብዙሕ ብድሆታት ኣብ ፍረ ከምዘይበጽሐ ዝፍለጥ ኮይኑ፡ እዚ ሕጂ ብሕብረት ኤውሮጳ ጸዲቁ ዘሎ ስደተኛታት ናይ ምብራር ስጉምቲ ውን፡ ብዙሕ ሕጋዊ ክስታት ክበጽሖ ከምዝኮነ እዩ ዝእመን።