ሚኒስተር ትምህርቲ ጉጅለ ህግደፍ ዶክተር ሓሊማ መሓመድ: ኣብ ሚኒስትሪ ትምህርቲ ኣብ መስርሕ ምደባ: ቅያርን ስልጠናን መምሃራን ስርዓተ ሕጊ ከምዘይክተል ሓቢራ።
ቤት ትምህርቲ ዋርሳይ ይከኣሎ ናይ ዓመተ ትምህርቲ 2025-2026 ንጥፈታት ንምግምጋም ብ24ን 25ን መጋቢት 2026 ኣብ መደበር ታዓሊም ሳዋ ኣብ ዝተኻየደ ኣኼባ: እወታውን ኣሉታውን እቲ ቤት ትምህርቲ ከምዝተዘርዘረ: ብ27 መጋቢት 2026 ኣብ ጋዜጣ ሓዳስ ኤርትራ ዝተዘርግሐ ጽሑፍ የመልክት።
ዶክተር ሓሊማ ኣብ’ቲ ኣኼባ ተረኺባ ኣብ ዝሃበቶ መግለጺ: ኣብ ኩለን ጨናፍር ትምህርቲ ኤርትራ: መስርሕ ምደባ: ቅያርን ስልጠናን መምሃራን ስርዓተ ሕጊ ሒዙ ክኸይድ ስለዘይጸንሐ: ኣብ መስርሕ ምምሃርን ምስትምሃርን ዓቢ ጸገም ከምዝኾነ ሓቢራ።
ንሳ ብተወሳኺ: መደባት ትምህርቲ ንምድንፋዕ: ብዓውድታት ስነምምህርና: ትምህርታዊ ስነ ልቦና ምሕደራ ትምህርቲ: እኹል ኣፍልጦን ዘለዎም መምሃራን ንምፍራይ ከምዘይተኻእለ ኣቃሊዓ።
ይኹን እምበር ዶክቶር ሓሊማን ካልኦት ሰበስልጣን ህግደፍን ብድፍረት ክገልጽዎን ክኣምኑሉ ዘይክኣሉን መሰረታዊ ውድቀት ስርዓተ ትምህርቲ ኤርትራ ኮይኑ ዘሎ: ደሞዝ ዘይክፈሉ ስልጠና ዘይወሰዱ መምሃራን ብምምዳብን ተማሃሮ ኣብ ትሕቲ ድምጺ ብረትን ጽንኩር ወተሃደራዊ ምሕደራን ስለዝመሃሩ: ዘይመርጽዎ ዓውደ ትምህርቲ ክወስዱ ስለዝግደዱን ተማሂሮም ናብ ገደብ ኣልቦ ኣገልገሎት ስለዝምደቡን ኢዩ።
ጉጅለ ህግደፍ: ኣብ ጽባሕ ናጽነት ኣብ ኤርትራ ዝነበረት እንኮ ዩኒቨሪስቲ ብምዕጻው: መዛዘሚ ካልኣይ ደረጃ ኣብ ትሕቲ ወተሃደራዊ ምሕደራ ሳዋ ብምእታውን 12 ክፍሊ ዝወድኡ ተማሃሮ ኣብ ብቕዓተን ዘይተሓለወ ኮሎጃት ፋሕ ከምዝብሉ ገይሩዎም።
ብጉልባብ “መሕለፊ ነጥቢ ኣይረኸብኩምን” ዝበዝሑ ካልኣይ ደረጃ ዝወድኡ ተማሃሮ ድማ: ኣብ ገደብ ኣልቦ ውትህድርናን ደሞዝ ዘይክፈሎ ግዱድ ዕዮን ተጸሚዶም መጻኢ ዕድሎም ከምዝኹለፍ ኮይኑ።
እቶም ኣብዘይምልከቶም ኩናት ተጠቢሶም ዝደሓኑ ከኣ: ብረት ተሓንጊጦም ንእስነቶም ይበሊ ወይ ኣብ ስደት ከርፋሕ ህይወት የሕልፉ ኣለዉ።
ጉጅለ ህግደፍ ነቲ ብፍላጥ ብቕዓቱን ስፍሓቱን ዘዳኸሞን ዘዕነዎን ጽላት ትምህርቲ ሃገርና: ብመንገዲ ሓዳስ ሚኒስተሩ: ኣብ ኤርትራ ግሉጽነትን ሓጋግን ፈጻምን ቅዋምን ኣብዘይብሉ ሃገር: “ከነዕርዮን ስርዓት ከነትሕዞን ኢና” እንተበለት: ጥበራን መጥፍኢ ግዜን ኢዩ።