ኣብ የመን ዝርከብ ብኢራን ከምዝድገፍን ዝንገረሉ ዕጡቅ ጉጅለ ሑቲ፡ ኵናት ኣመሪካ እስራኤልን ኢራን ሓደ ወርሒ ኣብ ዝመላኣሉ እዋን፡ ንመጀመርታ ግዜ ናብ እስራኤል ሚሳይል ብምትኳስ፡ ናብቲ ኲናት ከምዝተጸንበረ ተገሊጹ።
ንርእሰ ከተማ ሰንዓን፡ ሰሜናዊ ክፋል የመንን ተቖጻጺሩ ዝርከብ ዕጡቓት ጉጅለ ሑቲ፡ ናብ እስራኤል ሚሳይል ብምትኳስ፡ ነቲ ንማእከላይ ምብራቕ ዝሕምስ ዘሎ ኵናት ብወግዒ ከምዝተጸንበሮ ዝተገልጸ ኮይኑ፡ እስራኤል ኣብ ልዕሊ’ቲ ዕጡቅ ጉጅለ ክትህቦ እትክእል ክብረመልሲ ግን፡ ምስ ግዜ ዝረአ ከምዝከውን’ዮም ተንተንቲ ፖለቲካ እቲ ዞባ ዘረዱኡ።
ዕጡቅ ጉጅለ ሑቲ ናብ እስራኤል ሚሳይል ድሕሪ ምትዃሱ። ንተኣፋፊ ወተሃደራዊ መደበራት እስራኤል ዕላማ ከምዝገበረ ዝገለጸ ኮይኑ፡ እስራኤል መጥቃዕቲ ሑቲ ንምምካት ኣብ ተወሳኺ ኲናት ክታኣቱ ከምዝኮነት ዝንገር እኳ እንተኮነ፡ ልዕሊ’ቲ ካብ ኢራን ዝዘንባ ዘሎ ደብዳብ ሚሳይልን ድሮናትን ግን፡ መጥቃዕቲ ሑቲ ከሸግራ ከምዘይክእል’ዩ ዝእመን።
ሓማስ ኣብ 7 ጥቅምቲ 2023 ሃንደበታዊ መጥቓዕቲ ድሕሪ ምኽፋቱ፡ እስራኤል ግብረመልሲ ንምሃብ ኣብ ልዕሊ ፊልስጢም መጠነ ሰፊሕ መጥቓዕቲ ዝኸፈተት ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ኣብ’ቲ ሽዑ እዋን ሃገርነት ፊልስጤም ክሳብ ዘይተረጋገጸ፡ ኲናት ደው ኣይብልን ብምባል ናብ ኲናት ዝተጸንበረ ሑቲ፡ ክሳብ ለይቲ ሎሚ ጸረ እስራኤል መጥቃዕቲ ኣብ ምፍጻም ምጽንሑ ኣይርሳዕን።
ዕጡቅ ጉጅለ ሑቲ፡ ኢራን ብወተሃደራዊ ጥምረት ኣመሪካን እስራኤልን ክትህረም ድሕሪ ምጅማራ፡ ናብ’ቲ ኲናት ክጽንበር ከምዝኽእል ኣብ ምጥንቃቕ ምጽንሑ ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ልክዕ ከምቲ ኣብ ርሱን እዋን ኲናት ሓማስን እስራኤልን ዝወስዶ ዝነበረ ስጉምቲ፡ ንቀይሕ ባሕሪ ክቆጻጸርን መራኽብ ክሃርምን እንተጀሚሩ፡ ዕዳጋ ዓለም ብህጹጽ ናብ ቀውሲ ካኣቱ ከምዝኽእል’ዩ ዝስጋእ።
ዕጡቅ ጉጅለ ሑቲ፡ ካብ እስራኤል፡ ወጻኢ ውን፡ ኣብ ከም በዓል ሱዕዲ ዓረብን ኢማራትን ዛኣመሰላ ሃገራት፡ ወተሃደራውን ጸዓታውን ትሐተ-ቅርጺ ናይ ምዕናው ስጉምቲ ክወስድ ይክእል’ዩ ዝብል እምነት ምህላዉ ውን ዝግለጽ ኮይኑ፡ ሑቲ ናብ’ቲ ኲናት ኢዱ ክሕውስ ምጅማሩ፡ ዕዳጋ ዓለም ኣብ ስክፍታ ምውዳቁ’ዩ ዝግለጽ።