ሰራዊት ሱዳን፡ ካብ ኢትዮጵያ ብዝተበገሰ ሰራዊት ድሕሪ ዝበጽሖ መጥቃዕቲ ዶብ ጥሒሱ፡ ኣብ ዞባ ቤኒሻንጉል ጉምዝ መጥቃዕቲ ምፍጻሙ ተገሊጹ።
ሰራዊት ኢትዮጵያ ምስ ሓይልታት RSF ብምኳን፡ ኣብ ልዕሊ ሰራዊት ሱዳን መጥቃዕቲ ክፍጽም ምጽንሑን፡ ኢትዮዕያ ኣብ ቀጥታዊ ተሳትፎ ኲናት ሱዳን ኣትያ ምህላዋን ክንገር ምጽንሑ ዝፍለጥ ኮይኑ፡ እዚ ኣብ’ዚ ሳልስቲ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ግን፡ ብሰራዊት ኢትዮጵያ ተወጊአ ዝበለ ሓይሊ ሰራዊት ሱዳን፡ ናብ ውሽጢ መሬት ኢትዮጵያ ብምእታው ዝፈጸሞ ምኳኑ’ዩ ዝንገር።
ቅድሚ ዝተወሰነ እዋን መርበብ ሓበሬታ ሮይተርስ ኣብ ዝዘርግሖ ናይ ሳተላይት ምስሊ፡ ኢትዮጵያ ሓይልታት RSF ዝስልጥንሉ መዓስከር ሃኒጻ ስዉር ወተሃደራዊ ደገፍ ኣብ ምክያድ ምህላዋ ገሊጹ ምንባሩ ዝፍለጥ ኮይኑ፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ እዚ ሕጂ ተከሲቱ ዘሎ ኩነታት ኣመልኪቱ ዝኮነ ይኩን ግብረመልሲ ምስ ዘይምሃቡ፡ ሓደገኛ መልክዕ ሒዙ ክዓቢ ተክእሎ ከምዘለዎ’ዮም ተንተንቲ ፖለቲካ እዚ ዞባ ዝገልጹ።
ብጀነራል ሓምዳን ደጋሎ ሒሚቲ ዝምራሕ ሓይሊ ዳዕመል ሰሪዕ፡ ርእሱ ዝከኣለ መንግስቲ ንምቋም፡ ኣንጻር ሰራዊት ሱዳን ኣብ ምውጋእ ምህላዉ ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ምስ ኢማራት ዓረብ ጥቡቅ ምሕዝነት ከምዘለዋ ዝንገረላ ኢትዮጵያ ከም መራከቢ መስመር ብምኳን ኣብ’ቲ ኲናት ትሳተፍ ምህላዋ’ዩ ዝእመን።