ልዕሊ 7 ሚልዮን ዝቁጽሮም ኣመሪካውያን ዜጋታት፡ ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ንዘካይዶ ዘሎ ኲናት ዝኹንን፡ ናይ ተቓውሞ ሰላማዊ ሰልፊ ከምዘካየዱ ተገሊጹ።
እዚ ንእዋናዊ ፖሊሲ ኲናት ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ንምኹናን ዝተበገሰ ናይ ተቓውሞ ሰልፊ፡ ኣይፋል ንንግስነት (NO KINGS) ኣብ ትሕቲ ዝብል መሪሕ ቃል ተወኪሉ ዝተኻየደ ምንባሩ ዝተገልጸ ኮይኑ፡ ልዕሊ 7 ሚልዮን ህዝቢ ነቲ ሓሳብ ብምድጋፍ ናብ ጎደናታት ብምውሓዙ፡ ኣመሪካ ኣብ ከቢድ ጭንቀት ምውዓላ’ዩ ዝንገር።
እቲ ናይ ተቓውሞ ሰልፊ፡ ፕረዚዳንት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕ ምስ እስራኤል ብምዃን፡ ኣብ ልዕሊ ኢራን ድሕሪ ዝከፈቶ ኲናት፡ ኣብ ልዕሊ ዜጋታት ኣመሪካ ብዝተፈጠረ ኢኮኖሚያዊ ቀውሲ ዝተልዓለ ከምዝኮነ ዝተገልጸ ኮይኑ፡ ኣመሪካ መራሒት ዓለም ናይ ምኳን ግዴታ ከምዘይብላን፡ ካብ’ቲ ኲናት ውን ብህጹጽ ክትስሕብ ከምዝግባእ ብምጽዋዕ፡ ኣብ ልዕሊ ፕሬዝደንት ትራምፕ ተጽዕኖ ንምፍጣር ዝዓለመ ሰልፊ የካይዱ ምህላዎም’ዩ ዝንገር።
ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ፡ ቅድሚ ዝተወሰነ ግዚያት፡ ኲናት ኢራን ኣብ ውሽጢ መዓልትታት ከምዝዛዘም ክገልጽ ምጽንሑ ዝፍለጥ ኮይኑ፡ እቲ ኲናት ንሓደ ወርሒ ክቅጽል ውሳነ ምሕላፉ፡ ኣብ ልዕሊ ኣመሪካውያን ዜጋታት ከቢድ ቁጥዐ ምፍጣሩ’ዩ ዝንገር።
ፕረዚደንት ትራምፕ፡ ካብ ቅኑዕ ዕላማን ስትራቴጂን ወጻኢ፡ ኣመሪካ ናብ ኲናት ኢራን ተጎቲታ ክታኣቱ ይገብር ምህላዉ ክገልጹ ዝጸንሑ ፖለቲከኛታት፡ ኣብ’ዚ ሕጂ ሰዓት ካብ ህዝቢ ኣመሪካ ዓቢ ተቀባልነት ይርኽቡ ምህላዎም ዝተገልጸ ኮይኑ፡ ትማሊ ኣብ ዝወዓለ ህዝባዊ ቁጥዐ፡ ኲናት ኢራን ረብሓና ኣይኮነን፡ ኣይምልከተናን ንክብሉ ናብ ጎደና ናይ ዝወሓዙ ዜጋታት ቁጽሪ ሚልዮናት ምዕራጉ፡ ትራምፕ ሩኡይ ውድቀት ገጢምዎ ምህላዉ ዝምስክር እዩ።