ኣብ ኢራን ዝርከብ ኣባል ኮሚተ ፓርላማ፡ ብወሽመጥ ባሕሪ ሆርሙዝ ብዝሓልፋ መራኽብ ቀረጽ ንምኽፋል ዘርቀቖ ሕጊ ከም ዘጽደቐ፡ ምስ እስላማዊ ሰውራ ኢራን ምትእስሳር ዘለዎ ወኪል ዜና ፋርስ ሓቢሩ።
እቲ ማዕከን ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ኣባል ኮሚሽን ሃገራዊ ድሕነት ኢራን ካብ ዝኮነ ውልቀሰብ፡ እቲ ንመስመር ሆርሙዝ ዝቆጻጸረ ናይ ቀረጽ ትልሚ ከም ዝጸደቐ ኣረጋጊጸ’የ ዝበለ ኮይኑ፡ እዚ ውሳነ እዚ፡ መራኽብ ኣመሪካን እስራኤልን ኣብ መጻብቦ ሆርሙዝ ከይንቀሳቐሳ ዝእግድ ምኳኑ’ዩ ወሲኹ ዝገልጽ።
እቲ ማዕከን ሓበሬታ ብተወሳኺ፡ ኣብ ልዕሊ ኢራን ተነቢሩ ኣብ ዘሎ እገዳ ዝተሳተፋን፡ ነቲ እገዳ ዝደገፋን ሃገራት ዓለም፡ በቲ ወሽመጥ ንከይሓልፋ እገዳ ከምዝተገበረ ዝሓበረ ኮይኑ፡ ኢራን ነቲ መስመር ምሉእ ብምሉእ ብምዕጻው ብርግጫ ዝርገጽ መስመር ክትገብሮ ምውሳና’ዩ እቲ ሓበሬታ ዘረድእ።
ኢራን ኣጽዲቃቶ ዘላ ሓድሽ ስርዓተ ክፍሊት፡ ምስ ዖማን ብምትሕብባር ክትግበር ምዃኑ፡ መንግስታዊ ተለቪዥን ኢራን ኣፍሊጡ ክብል፡ ኣገልግሎት ዜና AFP ዝሓበረ ኮይኑ፡ ኢራን ነዚ ውጥን እዚ እንተውዒላቶ፡ ዋጋ ነዳዲ ሰማይ ክስቀልን፡ ዓለማዊ ቁጠባዊ ቀውሲ ክዓቢ ዘሎ ተክእሎ ኻቢ ምኳኑ’ዮም ብዙሓት ዝሰማምዑ።
መብዛሕትኡ ግዜ ኣስታት 20 ሚእታዊት ነዳዲ ዓለም በቲ ኣብ መንጎ ኢራንን ዖማንን ዘሎ ጸቢብ መስመር ማይ ኣቢሉ ከምዝሓልፍ ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ይኹን እምበር ኲናት ኢራን ካብ ዝጅምር ኣትሒዙ፡ ኣብ’ዚ ዝሓለፈ ወርሒ ጥራሕ፡ ቁጽሪ ብመስመር እቲ መጻብቦ ዝሓልፍ መራኽብ ብ95 ሚእታዊት ከምዝነከየን፡ ዓቢ ቁጠባዊ ተጽዕኖ ከምዘሕደረን’ዩ፡ ተቖጻጻሪ ጸጥታ ባሕሪ ኬፕለር ይሕብር።
ካብ ዜናታት ኢራን ከይወጻና፡ ወሃቢ ቃል ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኢራን፡ ምስ ሰበስልጣን ኣመሪካ ዝኾነ ይኹን ዝርርብ ይካየድ ኣሎ እንዳተባህለ ዝወሃብ መግለጺ ሓሶት’ዩ ክብል ገሊጹ።
ኢራን ኣብ ዝሓለፉ 31 መዓልታት፡ ዝኾነ ይኹን ዝርርባት ምስ ኣመሪካ ኣየካየደን ክብል ዝነጸገ እስማዒል ባቃይ፡ እቲ ኩነታት፡ ካብ ኣመሪካ ብዝቐረበ ድሌት መሰረት ንዘተ ሰላም ድልዋት ኩኑ ዝብል ሕቶ ጥራሕ ምንባሩን፡ ብማእከልነት ፓኪስታን እትርከበን ዝተወሰና ሃገራት ከኣ ኢራን ነቲ ዘተ ክትሰምዖ ከምዝወሰነት ጥራሕ’ዩ እስማዒል ባቃይ ዝገልጽ።፡
መርገጺና ኣዝዩ ንጹር እዩ። ወተሃደራዊ መጥቃዕትን ወራርን ኣመሪካ ኣብ ዝሕይለሉ ዘሎ እዋን፡ ጻዕርታትናን ዓቕምናን ምዕቃብ ኢራናዊ መንነት መሰረት ዝገበረ’ዩ ዝበለ እስማዒል ባቃይ፡ ኣብ ውሽጢ ሓደ ዓመት ዘይመልእ ክልተ ግዜ፡ ዘጋጠመ ክሕደት ዲፕሎማሲ ኢራን ክትርስዖ ዘይምኳ’ዩ ኣብ ቃላቱ ዝገልጽ።