ፕረዚደንት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕ፡ ሃገሩ ነቲ ኣብ ደቡባዊ ክፋል ኢራን ኣብ ዝወደቐት ነፋሪት ውግእ ዝነበረ ኣባል ሓይሊ ኣየር ብሂወት ከምዝተረኽቶ ኣፍሊጡ።
ነፋሪት ውግእ ኣመሪካ f-15e strike eagle ኣብ መሬት ኢራን ተወቂዓ ድሕሪ ምሕምሻሻ፡ ክልቲአን ሃገራት ካብ’ታ ዝተሓምሸሸት ነፋሪት ንዝወረዱ ኣብረርቲ ንምሓዝ፡ ክጓየያ ምቅናየን ዝዝከር ኮይኑ፡
ኣመሪካ፡ ኣብ’ቲ መጥቃዕቲ ዝተፈጸመሉ ዕለት ንሓደ ካብቶም ፓይለታት ኣድሒና፡ ነቲ ካልኣይ ኣባል ኣየር ንምድሓን ኣብ መሬት ኢራን ሓደገኛ ስርሒት ምድላይ ከምዘካየደትን፡ በቲ ዝተካየደ መጥቃዕቲ ውን ብርክት ዝበሉ ሰባት ከምዝተቀትሉን’ዩ ዝንገር።
ፕረዚደንት ትራምፕ፡ ነዚ ጉዳይ ኣመልኪቱ ኣብ ትዊተር ኣብ ዝዘርገሖ ጽሑፍ፡ ረኺብናዮ ኣለና ዝብል ቃል፡ዘቀመጠ ኮይኑ፡ እቲ ጠፊኡ ዝቐነየ ኣብራሪ ነፋርቲ ውግእ፡ ቀሊልን ከቢድን መቁሰልቲ ወላ’ኳ እንተበጽሖ፡ ኣብ’ዚ ሕጂ ሰዓት ግን ኣብ ጽቡቕ ኩነታት ምህላዉ’ዩ ወሲኹ ዝገልጽ።
ኣብ መግለጺኡ፡ ኣብ ዝሓለፉ ሓያሎ ሰዓታት፡ ሰራዊት ኣመሪካ ኣብ ታሪኽ ኣመሪካ ዝዓበየ ተባዕ ናይ ምድሓን ስርሒት ኣካይዱ ኣሎ ዝበለ ዶናድል ትራምፕ፡ እቲ ኣብ ሓደገኛ ኣኽራናት ኢራን ወዲቑ፡ ብጸቢብ መስመራት ጸላኢ ክህደን ዝጸንሐ ኣባል ሓይሊ ኣየር፡ “ኣዝዩ ክቡር ኮሎኔል” ምኳኑ’ዩ ኣብ ቃላቱ ገሊጽዎ ዝርከብ።
ሓይልታት ኣመሪካ ነቲ ኣብ ወተሃደራዊ ስርሒት ዝወደቐ ኮረኔል ኣብራሪ፡ ን24 ሰዓታት ይከታተልዎ ከም ዝነበሩ ወሲኹ ዝጠቐሰ ትራምፕ፡ ብዛዕባ’ቲ ኣቐዲሙ ዝተረኸበ ፓይሎት ዝኮነ ይኹን ቃል ዘይሃበ ውን ኣብ ምድላይ እቲ ካልኣይ ኣብራሪ ጽልዋ ንኸይፈጥር ምኳኑ’ዩ ወሲኹ ዝገልጽ።
ንሓደ ወተሃደር ኣመሪካ ፈጺምና ኣይንገድፎን ኢና ዝበለ ትራምፕ ኣስዒቡ፡
እቲ ኣብ መሬት ኢራን ዝተኻየደ ሂወት ናይ ምድሓን ስርሒት ሓደ ኣመሪካዊ ወተሃደር ከይሞተ ወይ ከይተጎድአ ከም ዝተኻየደን፡ ኣዝዩ ዕዉት ስርሒት ምንባሩን’ዩ ወሲኹ ዝገልጽ።
ትራምፕ ኣብ መደምደምታ፡ ኣብ ውሽጢ መስመር ጸላኢ ንዝነበረ ኣመሪካዊ ኣብራሪ ንምድሓን፡ ብዙሓት ነፈርቲ ውግእ ከምዝተሳተፋ ዝገለጸ ኮይኑ፡ እቲ ዝደሓነ ፓይለት፡ ብመንግስቲ ኢራን እውን ይህደን ምንባሩን ብዕዉት ስርሒት ሂወቱ ከምዝደሓነን እዩ ወሲኹ ዝገልጽ።
ሰራዊት ኢራን ብወገኑ፡ ነቲ ኣመሪካዊ ወተሃደር ንዝረኸበ ሰብ፡ ልዕሊ 66 ሽሕ ዶላር ሽልማት ከምዝወሃቦ ኣፍሊጡ ምንባሩ ውን ዝዝከር ኮይኑ፡ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ዝተዘርግሑ ቪድዮታት ከምዘነጽርዎ ውን፡ ብኣማኢት ዝቑጸሩ ኢራናውያን፡ ናብ’ቲ ኣብ ደቡባዊ ምዕራብ ኢራን ዝርከብ ኣኽራናት ብምኻድ፡ ኣብ ድልያ እቲ ኣመሪካዊ ኣብራሪ ተዋፊሮም ምንባሮምን፡ ኣብ ስርሒት ምድሓን ሂወት ውን ብዙሕ ሞት ከምዘጋጠመን’ዩ ዝግለጽ።