ኣብ ስያትልን በይ ኤርያን ሕብራት መንግስታት ኣመሪካ ዝነብሩ ተቓለስቲ፡ ገበናት ጉጅለ ህግደፍ ብሕጋዊ መስርሕ ንክዳነ ኣብ ዝካየድ ዘሎ ጉዕዞ ደገፎም ንምርግጋጽ፡ ገንዘባዊ ሓገዛት ከምዘበርከቱ ተገሊጹ።
እቲ ኣብ ስያትልን በይ ኤርያን ዝተካየደ ናይ ደገፍ ስነስርዓት፡ ቀዳም 4 ሚያዝያ 2026 ኣብ ሓደ መዓልቲ ኣብ ዝተፈላለየ ቦታ ዝተካየደ ኮይኑ፡ ኣብ’ቲ ስነስርዓት ዝተሳተፉ ተቃለስቲ፡ ጉጅለ ህግደፍ ኣብ ልዕሊ ኤርትራውያን ተቃለስቲ ንፍትሒ ጀሚርዎ ዘሎ ሕጋዊ ናይ ጸለመ ክሲ ብምስዓር፡ ገበናት እቲ ምልካዊ ስርዓት ንምቅላዕ ኣብ ዝክየድ ዘሎ ሕጋዊ ጉዕዞ ዘለዎም ደገፍ ብምግላጽ፡ ነቲ ገንዘባዊ ደገፍ ከምዘበርከቱን፡ ክሳብ ዓወት ኣብ ጎኒ እቲ ሕጋዊ መስርሕ ክቆሙ ከምዝኮኑን’ዮም ዘረጋግጹ።
በዚ መሰረት ነበርቲ ስያትልን ከባቢኣን ዝኮኑ ተቓለስቲ ፍትሒ፡ 48 ሽሕ ዶላር ንሕጋዊ መስርሕ ጸረ ህግደፍ ከበርክቱ እንከለዉ፡ ነበርቲ በይ ኤርያን ከባቢኣን ከኣ ብተመሳሳሊ ናይ 20ሽሕ ዶላር ደገፍ ከምዝገበሩን፡ እቲ ተበጊሱ ዘሎ ገንዘባዊ ኣበርክቶ ገና ክቅጽል ምኳኑን’ዩ ዝበጽሓና ሓበሬታ ዘረድእ።
ጸረ ህዝብን ሃገርን ኤርትራ ብምኳን፡ ሂወት ተራ ኤርትራዊ ዜጋ ንምክባድ ዝቃለስ ጉጅለ ህግደፍ፡ ኣብ ልዕሊ ኣብ ሕብራት መንግስታት ኣመሪካ ዝነብሩ ተቃለስቲ፡ ናይ ጸለመ ክሲ መስሪቱ ኣብ ሂወቶም ተጽዕኖ ንምፍጣርን፡ ቃልሲ ንምኩላፍን ክሃልክልኽ ምጽንሑ ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ይኹን እምበር እቲ ዓማጺ ጉጅለ ብሕጋዊ መስርሕ ናይ ኩሉ ገበናት ተሓታቲ ምኳኑ ንምርግጋጽ ዝግበር ዘሎ ጉዕዞ፡ መዓስ ብዘየገድስ ተዓዋቲ ምኳኑ’ዮም እቶም ተሳተፍቲ ኣብ ቃላቶም ዝገልጹ።
ጉጅለ ህግደፍ ብመንገዲ ተን ኣብ ስደት ዝደኮነን ትካላት ኣቢሉ፡ ህዝብና ከይቀስንን ብሓርነት ንከይነብርን ንዝሓለፈ ልዕሊ 20 ዓመታት ናይ ተጻይ ባህርያት ክፍጽም ምጽንሑ ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ድሕሪ’ቲ ብማዕበል ብርጌድ ንሓመዱ ዝተላዕለል ከቢድ ናይ ግብረመልሲ ጽፍዒት ግን፡ ዝለመዶ ሲኢኑ ማብ ክስን ጸለምን ተቃለስትን እኳ እንተሰገረ፡ እዚ ሕጂ ዝገብሮ ዘሎ ናይ ዓቅሊ ጽበት ፈተነ ውን እንተኮነ፡ ንጹግን ተሰዓርን ከምዝከውን ዘጠራጥር ኣይኮነን።
ጉጅለ ህግደፍ ቅድሚ 4ተ ዓመታት ብዝተወለዐ ብርቱዕ ህዝባዊ ማዕበል፡ ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ዓለም ከቢድ ውርደትን ከቢድ ዲፕሎማሲያዊ ዕንወትን ክወርዶ ምጽንሑን፡ ብርክት ዝበሉ ደገፍቱ ውን ክስእን ምግዳዱን ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ብዝወረዶ ዕንወትን ተነጽሎን ንተቃለስቲ ፍትሒ ሓላፍነት ከሰክም ይህንደድ እኳ እንተሃለወ፡ ከም ዝሓለፈ እዋን ዋጋ ክህልዎ ከምዘይኮነ ዘጠራጥር የበሉን።